Wednesday, August 24, 2016

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ቁፅሪ ሕማም ውፅኣት ዝተትሓዙ ሰባት ብዝለዓለ ደረጃ ወሲኹ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ቅድም ክብል ሕማም ውፅኣት ኣብ ኦሮምያን ክልል ሱማልን ብስፍሓት ከም ዝተላብዐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ድማ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለን ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ ኣብ ከተማ ባህሪዳርን እቲ ሕማም ተስፋሕፊሑ ከም ዘሎ ተገሊፁ።
ከም ኣገላልፃ እቲ ሓበሬታ ኣብ ዚሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 450  ሰባት ሕማም ውፃኣት ከም ዝተትሓዙ ድሕሪ ምግላፅ፤ብሓፈሻ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ንሓሰ ጀሚሩ ኣብ ኦሮሞያ፤ክልላት ሱማልን ደቡብ ህዝቦችን ጥራሕ 19 ሰባት ብሕማም ውፅኣት ከም ዝሞቱን 2000 ዝኾኑ ሰባት ድማ ከም ዝሓመሙን ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓባባሪ ቤት ፅሕፈት ካብ ዘውፅኦ ሰሙናዊ ሪፖርተር ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተወሳኺ ድማ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ብምጥቃሙ፣ ካብ ወርሒ ሰነ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ እቲ ሕማም እናተሰኣሕፈሐ ከም ዝመፀ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሰሙን እዚ ግን ብዝላዓለ ደረጃ ናብ ብርክት ዝበሉ ከባብታት ከም ዝተስፋሕፈሐን ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማታት ቦሌ።የካ፤ኣቃቂ፤ኮልፌ ከምኡ እውን ኣብ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ክፍለ ከተማን ተስፋሕፊሑ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።


No comments:

Post a Comment