Monday, September 12, 2016

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሓዱሽ ዓመት 2009 ዓ/ም ፀሊም ክዳን ብምኽዳን ብስርዓት ኢህወደግ ንዝተቐትሉ ወገናቶም ዘኪሮምዎም ከምዝዋዓሉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንሓዱሽ ዓመት 2009 ዓ/ም ፀሊም ክዳን ብምኽዳንን ጧፍ ብምብራህን  ብስርዓት ኢህወደግ ዝተቐትሉ ወገናቶም ዘኪሮምዎም ከምዝወዓሉ ተገሊፁ። ከም ኣገላልፃ እቲ ሓበሬታ እቶም ኢትዮጵያውያን ወገናት ንቤተሰብ እቶም ግዳያት ንምርዳእ ቃል ከምዝኣተው ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅትለት ዜጋታት ደው ንምባል ስርዓት ህወሓት ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ክወድቕ ከምዘለዎ ዘስመሩ እቶም ኢትዮጵያውያን; ህዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ንምሕጋዝ ድማ ዝካኣሎም ኩሉ ከምዝገብሩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

No comments:

Post a Comment