Monday, September 12, 2016

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮምሽን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦ ብናይ ሓዊ ባርዕ ምኽንያት ህይወቶም ናይ ዝሓልፉ እሱራት ወገናት መንነት ከፃሪ እየ ከምዝበለ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓብሬታ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦ ህይወቶም ናይ ዝሓለፉ ኡሱራት ዜጋታት መንነት ካብ ምግላፅ ድሕሪ ምቕጣቡ ስዒቡ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮምሽን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ መበገሲ ሓደጋ ከፃሪ እየ ከምዝበለ ተገሊፁ።ከምዝፍለጥ ኣብ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ቅሊንጦ  ብዝተልዓለ ናይ ባርዕ ሓደጋ ምኽንያት 23 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፉ መንግስቲ ዝገለፀ ኮይኑ መንነቶም ንህዝቢ ዘይምግላፁ ግን ብዙሕ ተቓውሞ ከምዘልዓለን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝርከቡ ኣዝማድን ቤተሰብን  እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመሉ ዕለት ኣትሒዙ ክመላለሱ እኳ እንተፀንሑ ናይ ቤተሰቦምን ኣዝማዶምን ኩነታት ክፈልጡ ብዘይምኽኣሎም  ኣብ ከባቢ ቤትማእሰርቲ ቅሊንጦ ምስ ሓይልታት ፀፅታ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢህወደግ ሓያል ግጭት ከካይዱ ከምዝኻኣሉ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮምሽን ኣፍሊጡ።

ሰብ ሞያ ሕጊ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከም ዝገለፅዎ ድማ መንግስቲ ግልፅነትን ተሓታትነትን ክህልዎ እናተገብኣ ሕጋዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ብዘይምኽኣሉ እቶም ቤተሰብ ናይቶም እሱራት ምስ ሓይልታት ፀፅታ ግጭት ከካይዱ ኪኢሎም ክብሉ ኣረዲኦም።ሰበስልጣን ኢህወደግ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦ ህይወቶም  ንዝሓለፉ እሱራት ብናይ ሓኻይም መረዳእታ ዝተሰነየ ክነፍልጥ ኢና እኳ እንተበሉ ክሳብ ሕዚ ግን ግልፂ ዝኾነ ሓበረታ ንህዝቢ ከቕርቡ ከምዘይካኣሉ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment