Saturday, February 18, 2017

ፍረ ቃልሲ ለካቲት 11 ንጠላማት ኣፍርዩ ንውፁዓት ኣድክዩ፣



ፍረ ለካቲት ክንብል ከለና እቲ ቅድሚ 42 ዓመታት ኣብ በረኻ ደደቢት ዝተወለዐ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ፣ ነዚ ተስፋ ሰኒቑ ናብቲ ሜዳ ዘዕለቕለቐ ህዝቢ ቡኡ ልክዕ ድማ እቲ ቃልሲ ዝሓቶ ዘበለ ኩሉ በቢ ዘላቶ ዓቕሚ ካብ ዝደቐቐት ንብረቱ ክሳብ ዝዓበየት ሂወቱ ገቢሩ ነቲ ክወድቕ ኢልካ ዘይትግምቶ ፀላኢ ኣብ ናይ 17 ዓመት መሪር ጉዕዞ ቃልሲ ተረባሪቡ ብመስዋእቱን ስንክልንኡን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ፀሪጉ ዝደርበየሉ ተኣምራዊ መድረኽ ማለትና እዩ።
እዚ ቃልሲ ህዝቢ እዚ ዋላ እኳ በቶም ነቲ ቃልሲ ዝመርሕዎ ዝነበሩ መራሕትን ናቶም ተኸቲሎም ዝሰዓቡ ህዝባዊ ኣረኣእያን ወገናውነትን ዘይብሎም ጉሒላታት ካድረታት ተጓዕፂፁ ኣብ ረብሐኦም እንተውዓልዎ እቲ መስተንክራዊ ጅግንነትን ፍፃመን ህዝብና ግን ንዘልኣለም ህያው ኮይኑ ክነብር እዩ።
ህዝብና ኣብ ልዕሊኡ ብዝበፅሖ ዝነበረ ሓሳረ መከራ ከፊኡኒ ብምባል ናብቲ ዝተወለዐ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክተምም ከሎ፣ እቲ ቃልሲ ዝሓተቶ ዋጋ ከፊሉ ዝሓሸ ንምርካብ እኳ እንተነበረ፣ ቅድሚ ኩሉ ግን ዘላቒ ዝኾነ ሰላም ኣዕሲሉ ናይ ህዝቢ ወሰናይነት ዘረጋግፅ ስርዓት ብምትካል ዴሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰሉ ተኸቢሩ ውሕስንኡ ዘረጋግፅ ሕገ-መንግስታዊ መትከል ከይተሸራረፈ ኣብ ተግባር ብምውዓል ናይ ፍትሒ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ተጠቃሚ ንምዃን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ኮይኑ ግን እቲ ቃልሲ ዝሓተቶ ኩሉ ዓይነት ጠለባት ኣማሊኡ ሽግ ዓወት ዘዕተረ ህዝቢ፣ ብዋጋ መስዋእቱን ስንክልንኡን ተበሊፆም ናብ ስልጣን ዝሓኾሩ  ጠላማት መራሕቲ ህወሓት ተኻሒዱ፣ ንኣደዳ ስቓይን መከራን ደርቢዮሞ እዮም። ብምዃኑ ድማ ሎሚ መነባብሮ ህዝቢ ትግራይን መራሕቲ ህወሓትን ናይ ሰማይን መሬትን ኣፈላላይ ፈጢሩ’ሎ።

እቲ ዘሕዝን ግን መራሕቲ ህወሓት ነቲ ኣብ እዋን ፀገሙን ቃንዝኡን ቁሊሕ ኢሎሞ ዘይፈልጡ ተቓላሳይ ህዝቢ ዓመት መፀ ለካቲት 11 ምኽንያት ብምግባር ሓደ ሓደ ተዘኩሮታት ናይቲ ሕሉፍ ቃልሲ ከዘንትው ብሽም ስውኣት ክምሕሉን ክሽቁጥን ሉሙድ መስርሕ ምግባሮም እዩ።

ህዝብና ግን ዓመት መፀ ብመስዋእቲ ደቁን ታሪኹን እናታለለ ናብ ሓደጋ ዘሳጥሖን ዝምዝምዞን ውድብ ወይ መራሕቲ ኣይኮነን ዘድልዮ ዘሎ፣ እንታይ ድኣ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ እንታይ ነይሩ ኢሉ ንተግባራውነት ጠጠው ብምባል ቅድሚ ውልቃዊ ረብሕኡ፣  ህዝባዊ ረብሓ ብምቕዳም ፀገማት ህዝቢ በቢ እዋኑ እናፈተሸ ቅልጡፍ ምላሽ ብምሃብ ፍረ ዘለዎ ስራሕ ክሰርሕ ቡኡ ልክዕ ድማ ህዝቢ ብኹሉ ዓይነት ረብሓታት ተጠቃሚ ብምግባር ናብርኡ ዘመሓይሸሉ ባይታ ክህሉ እዩ ዘድልዮ ዘሎ።

እንተኾነ ግን ህዝቢ ኣሽንኳይዶ ብፍረ ቃልሱ ክርባሕ፣ ዝያዳ ተቓሊሱ፣ ዝያዳ ደምዩ፣ ዝያዳ ሰንኪሉ፣ ዓሰርተታት ኣሸሓት ደቁ ኣሰዊኡ ገፅ መሬቱ ከይተረፈ ብቑምቡላታት ፀላኢ ተቓፂሉ ጥሪቱን ንብረቱን ዓንዩ እናሃለወ ነዚ ንምክሕሓስ ከይሓተተ ማዕረ ዝረአየሉ ኩነታት እውን ይስእን እዩ ዘሎ።

ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ድማ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ገዛኢ ፓርቲ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ነልዕል ስለ ዘለና እቲ ብህዝቢ ተፈንፊኑ ዘሎ ኣብ ኣመራርሓ ዘሎ ጉጅለ ህወሓት ፉሉይ ይገብሮ።

ምኽንያቱ ብሰንኪ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጠረ ሓደጋ ህዝቢ ትግራይ ክፅላእ ብዕርቑ ክዱን ብጥሙዩ ፅጉብ፣ ብፅምኡ ሩዉይ ክበሃል፣ ደቁ ድማ ናብ ፈቐዶ ሰደት እናወሓዙ ክሕረዱ፣ ክቃፀሉ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ሂወቶም ክስእኑ ኮታስ ብኹሉ ዓይነት መለክዕታት ድሕሪት ተሪፉ እናሃለወ ኣብ ዓይኒ ዝኣትወሉ ኩነታት እዩ ዝረአ ዘሎ።

እዚ ድማ ብመረሕቲ ህወሓት ኮነ ብኻልኦት ሓይልታት ኮን ዶ ኾን ከም መሳለጥን መለዓዓልን ገይርካ ህዝቢ ትግራይ ምስቶም ዝኸሓድዎ መራሕቲ  ከይፈተወ ዝፅገዐሉ ኩነታት ይፍጠር ዝዓይነቱ ኣካይዳ ክስረሐሉ ዝፀንሐን ዘሎን እኳ እንተኾነ፣ እቲ ሓቂ ግን ብኣንፃሩ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ዝያዳ ክበርሀሉ ዝደሊ ወገን እንተሎ ካልኦት ሽግራት ኣፅኒሕና ኣብ ትግራይ ዘሎ ስድራ ስውእን ጉዱኣት ኲናትን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብዝኾነ መነባብሮ ዝመርሕ ዘሎ ህዝቢ  ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ ኢልካ ተፍትሽ እንትዝግባር ፍረ ቃልሲ 11 ለካቲት ረኺቡ ኣይረኸበን ሽዑ ምበረሀ ነይሩ።

በቲ በለ በቲ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይን መራሕቲ ህወሓትን ሓደ እዮም ዝዓይነቱ ኣካይዳ ይጠቅም ዶ ኣይጠቅምን ነቲ ህሉው ኩነታት ትኹረት ሂቡ ዝዕዘብን ዘንብብን ግዱስ ዜጋ እኹል መረዳእታ ክረክብ እዩ።

እንተ ፈረ ቃልሲ ለካቲት 11 ግን ነቶም ቃልሲ ህዝቢ ኪሒዶም ናብ ህልም ዝበለ ስርቅን ግዕዚናን ዝጠሓሉ መራሕትን ካድረታቶምን ጠቒሙ፣ ሪኦሞ ዘይፈልጡ ሃፍተ ገነት ክውንኑ ገይሩ፣ እቲ ኣብዛሓ ውፁዕ ወገን ድማ ዝያዳ ክደኪ፣ ርእሱ ከድንን ክሓዝን ብሓፈሻ ኣብ ሽግርን ፀበባን እዩ ዝነብር ዘሎ።

No comments:

Post a Comment