Sunday, February 26, 2017

ብምኽንያት 19 ለካቲት መበል 16 ዓመት ምምስራት ውድብና ዴ.ም.ህ.ት ዝተውሃበ ውድባዊ መግለፂ!!



ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝኸበርክ ጅግና ተጋዳላይ ዴ.ም.ህ.ት ዝኸበርኩም ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ትርከቡ ኣባላት ሓፋሽ ማሕበር ዴ.ም.ህ.ት  ውድብና ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ ወፅዓ ብዘንገፍገፎም፤ ኣርዑት ባርነት ውልቀ መለኽቲ ዝነፀጉ፤ ቃንዛ ህዝቦም ብዘቐንዘዎም ደቂ ህዝቢ ልክዕ ኣብዚ ቅንያት ኣብ 19 ለካቲት 1993 ዓም ሞባእ ሓርነት ንምዃን በረኻ ወፅዮም እንትምስርትዎ፣ እዋናውን ፍትሓውን ስለ ዝነበረ ብዙሓት ሰዓብቲ ረኺቡ ዓበይቲ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስራሕቲ እናዓመመ እዩ፣ ኣብዚ ደረጃ እዚ በፂሑ ዘሎ።
ውድብና ካብ 28 ናሓሰ ክሳብ 4 ጳጉሜን 2008 ዓ/ም፣ ኣብ ዘካየዶ ዕውት 2 ውድባዊ ጉባኤ፣ ዝነበሩና ውሽጣዊ ሕፅረታትን ምዕቡል ጎንታትን ኣለሊና፤ ኩነታት ፀላኢና ድማ ብዕምቆት ብምግምጋም ንቐፃሊ ከስርሐና ዝኽእል ስትራተጂ ሓንፂፅና ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ረጊፅና፣ ጉዕዞ ቃልስና ናብቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ንምብፃሕ ብናህሪ ኣብ ምምራሽ ንርከብ።
ዴምህት ከም ውድብ ክሳብ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣየኖት እዮም?፤ ክሰርሖም ካብ ዝግበኦ ዘይተበፅሑ ወይ ዘይተጨበጡ ዓወታት ከ ኣየኖት እዮም፤ ንቐፃሊ’ኸ ብኸመይ ዓይነት ስትራተጂ ምስ እንጎዓዝ እዩ ናብ ሙሉእ ዓወት በፂሕና ህዝብና ካብቲ ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ሓራ ኣውፂእና ዝተመዓራረየ ህይወት ክመርሕ ዝኽእል ንዝብል፣ ብዕምቆት ገምጊምና ኣብ 2 ውድባዊ ጉባኤና ዝሓንፀፅናዮም ናይ ቃልሲ ትልምታት ኣብ ሽትኦም ንምብፃሕ ቀትርን ለይትን ኣብ ሓያል ፃዕሪ ተፀሚድና ንርከብ።
ብዙሓት ተቓለስቲ ውድባት ስርዓት ኢህወዴግ ብሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ካብ ስልጣኑ ክዕሎ ይኽእል እዩ ኢሎም ወሲኖም ሰለማዊ ቃልሲ የካይዱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ዴምህት ስርዓት ኢህወዴግ ብሓይሊ ብረት ‘ምበር ብሰለማዊ መንገዲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣይኽእልን ዝብል መርገፂ ሒዙ እቲ እንኮ መፍትሒ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዝኾነ ክውስን ከሎ ድማ፣ ከምቲ ሕዚ ንዕዘቦ ዘለና እቲ ስርዓት ምልካውነቱ ከስፋሕፍሕ ከም ዝኾነ ኣቐዲሙ ስለ ዝበፅሖ እዩ ነይሩ።
እቲ ሕዚ በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍፀም ዘሎ ኣስካሕኻሒ በደል ድማ ንውድብና ዴምህት ቅድሚ 16 ዓመታት ንፁር ስለ ዝነበረ፣ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ንምእላይ ናይ መጨረሻ መፍትሒኡ ዕጥቃዊ ቃልሲ እዩ ኢሉ ኣነፂርዎ ዝሓለፈ ጉዳይ እዩ። ናይቲ ግዜ ውሳነና ቅኑዕን ዘየሻሙን ከም ዝነበረ ድማ በቲ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ህልው ኩነታት ምሉእ ንምሉእ ኣረጋጊፅና ኣለና።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ፦ ስርዓት ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ኣብ ልዕሊ ኑፁህ ወገኑ ዘውርዶ ዘሎ ዓፈናን መርገፅትን፤ መቕተልትን ማእሰርትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ብምምፃእ ሎሚ ኣብ ናይ መወዳእታ ጠርዚ ደይቡ፣ ህዝብና ክትፅመሞን ክትፃወሮን ኣብ ዘይትኽእል ጫፍ በፂሑ ይርከብ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ብፍላይ ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚርካ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት እትገብሮ ዘለኻ ዓመፅን ምንቅስቓስን ኣዝዩ ዘሕብን እዩ። ከም ውፅኢቱ 'ውን ነቲ ስርዓት ነቀይ ነቀይ ኣቢልዎ ኣብ ጫፍ ውድቀቱ በፂሑ ይርከብ።
ስርዓት ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ኣብ ኮረቻ ስልጣን ተኾይጡ ንህዝብና እናመዝመዘ ክቕፅል ናይ ዘልኣለም ባህጉ ስለ ዝኾነ፣ ስልጣኑ ንኸይስእን ክብል ብዙሕ ማሕለኻታት እናፈጠረ እዩ ዝርከብ፣ መርኣያ ናይዚ ድማ ህዝባዊ ናዕብታት ጠጠው ንምባል ኢሉ ዝኣወጆ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ህዝቢ ከም ህዝቢ፤ ሃገር ከም ሃገር ሓፁር ዝኾኑ መምርሕታት ኣውፂኡ ቀሪኑ ብምሓዝ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ቸቸ ክብል ዝኣለሞ መፃወድያ ናብ ርእሱ ከይግልበጥ ለዕልን ታሕትን ክብል ይረአ ኣሎ። እንተኾነ ግን እቲ ክካየድ ዝፀንሐ ህዝባዊ ተቓዉሞታት ንዉሑድ ናይ ተክኒክ ሕፅረታቱ ገዲፍካ ትኽክለኛ ናይ ለውጢ መንገዲ እዩ ነይሩ። ንህዝቢ ይኹን ንሃገር ሓደጋ ኮይኑ ናይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ዝእወጀሉ ምኽንያት ኣይነበሮን። ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ነቲ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ጥራሕ እዩ። እዚ ኣዋጅ እዚ ድማ ሃገርና ከም ሃገር ሕጊ ጉልባብ ተጠቒምካ ሕጋዊት ቤት ማእሰርቲ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ህዝብን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓትን ሙሉእ ንምሉእ ክነፃፀሉ ክኢሎም ኣለዉ።
እዚ ስርዓት’ዚ ህዝቢ ሓደ ኮይኑ ኣንፃሩ ተላዒሉ ከም ዘሎ ሙሉእ መረዳእታ ስለ ዝሓዘ፣ ነዚ ህዝቢ’ዚ ሓድነቱ ከም ዘይነበረ ንምግባር ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል እከይ ስትራተጂ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፣ ብቕሉዕን ብስዉርን ህዝብና በታቲኑ ሓይሉ ንምድኻም ከይተሓለለ ይሰርሕ ኣሎ። በቶም ንኸብዶም ዝሓድሩ ካድረታቱ ተጠቒሙ ክሳብ ጣብያታት እናወረዱ ሓደ ብሄር ኣብ ልዕሊ ካሊእ ብሄር መጥቃዕቲ ንኽእውጅ ምልዕዓላት ክገብሩ ፀኒሖምን ኣለዉን።
ከም ውፅኢት ናይዚ ድማ ብገለ ወገናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍኖ ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ከቢድ ናይ ኣካልን ሕልናን በሰላ ፈጢሩ እዩ። ብዙሓት ዜጋታት ህይወቶም ንክስእኑ፤ ንዓመታት ከርተት ኢሎም ዘጥረይዎ ንብረቶም ንኽቃፀል፤ ካብ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ከባብታት ብሓይሊ ተባሪሮም ንብረቶምን ገዝኦምን ገዲፎም ንክወፁን፣ ንኣደዳ ፀሓይን ንፋስን ተደርብዮም ንዝተፈላለዩ ሕማማት ክቃልዑን ክኢሎም እዮም።
ስለዚ ናይዚ መንቀልን ተሓታትን ስርዓት ወያነ እኳ እንተኾነ ዝተፈላለየ ጉልባብ ተጠቒምካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ተቐባልነት ስለ ዘይብሉ፣ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ኣጥቢቑ ይቃወሞን ይኹንኖን፣ ውድብ ዴ.ም.ህ.ት ንህዝቢ ኢሉ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ ህዝባዊ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን። ኣንፃር ውፁዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዝዓጠቑ ሓይልታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሕማቕ ስጉምቲ ንዝወስዱ ሰባትን ድማ ካብቲ ስርዓት ፈልዩ ከም ዘይሪኦም የጠንቅቕ። ስለዚ ኩላትና ኢትዮጵያውያን ካብ ፀቢብነትን ትምክሕትን ወፂና ዕላማ ቃልስና ናብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ጥራሕ ክቐንዕ ከም ዘለዎ ዴ.ም.ህ.ት ፃውዒቱ የቕርብ።
ዝኸበርካ ህዝብና፦ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመተ 2008 ዓ/ም ጀሚርካ ክሳብ ሎሚ ብከቢድ ድርቅን ግዕዙይ ምሕደራ ናይቲ ስርዓት ብኽልተ ሓለንጊ እናተገረፍካ ተሕልፎ ዘለኻ ህይወት፣ ንውድብና ዴ.ም.ህ.ት ዘሕዘነ ፍፃመ እዩ፣ እቶም ከም ዝብኢ ቁስሎም እናበልዑ ዝኸዱ መራሕቲ ኢና በሃልቲ ግና ብስም ድርቂ ካብ ወፃኢ ሃገራት ንዘምፅ’ዎ ረዲኤት ንዓኻ ብጎረረኻ ሒዞም ንባዕሎም ኣዕብዮም እናኾለሱ ኣብ ውልቃዊ ረብሓታቶም እናውዓልዎ ምምፅኦም ከይኣክል፣ ድርቂ ዝፃወር ኢኮኖሚ ሃኒፅና፣ ድርቂ ‘ምበር ጥምየት የለን እናበሉ ዘይበላዕኻዮ በሊዕኻ ክብሉኻ ንሰምዕ ኣለና። ሎሚ ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ሃገርና ዝስተ ፅሩይ ማይ ምስ ዘይምሃላዉ ተታሓሒዙ ድርቅን ፅምኢ ማይን ተሓጋጊዞም ይገርፉኻን ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ተሳጢሕኻ ትሳቐን እኳ እንተሃለኻ፣ እቲ ስርዓት ግን ነዚ’ውን ክሓብኦ እዩ ዝፍትን ዘሎ።

ስርዓት ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ኣብዞም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን እኳ እንተፀነሐ ኣብ ምዕባለ ሃገርን መነባብሮ ሕ/ሰብናን ዝኾነ ይኹን ዝጭበጥ ለውጢ ከምፅእ ኣይካኣለን፣ ብኣንፃሩ ግን ናይ ዜጋታት ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት እናዓፈነ፣ ዴሞክራሲ ኢሉ ንዝሓተተ ድማ ኣብ ኣደባባይ ብግልፂ እናረሸነ፤ ኣሲሩ እናሳቐየ፤ ንህዝብና ብጉቦን ኣድልዎን ገዝኡ እናጓሕጉሐ ናብ ትሕቲ ሕሱም ድኽነት ከእትዎ ክኢሉ ኣሎ።

ስለዚ ዘለናዮ እዋን ልዕሊ ትማሊ ናይ ቃልሲ ግዜ ስለ ዝኾነ፣ ወፅዓና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ብምኻድ ሎሚ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ስለ ዝበፅሐ፣ ዕጥቃዊ ቃልሲ መማረፂ ዘይብሉ ናይ መወዳእታ መማረፂ ምዃኑ ዝተረጋገፀሉ እዋን ስለ ዝኾነ፣ ቃልስና እዋናውን ፍትሓውን እዩ ኢልና ኣጠናኺርና ከም ንቕፅለሉ ክነረጋግፅ ንፈቱ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ፦ እዚ ፀረ ሓድነትካን ምዕባለኻን ዝተዓጠቐ ስርዓት ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ስልጣኑ ተሓኺኹ ክወርድ ስለ ዝግበኦ ልዕሊ ትማሊ ውደባን ቃልስን ይሓተካ’ሎ። እቲ ትምነዮ ዘለኻ ናይ ዴሞክራሲ ለውጢ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ንምርግጋፅ መፃኢት ኢትዮጵያ ምስ ዘለምልሙ ውድባት ክትፅምበርን እጃምካ ክትገብርን ትኽእለሉ ግዜ ሎሚ እዩ። ስለዚ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ ቀይሕ መስመር ረጊፃ ከም ዘላ ተረዲእኻ ሃገርካ ካብ ምብትታን ክተድሕና፣ ግዜ ዘይህብ ህፁፅ ገዛ ዕዮ ከም ዘለካ ኣሚንካ ተበገስ።

ውድብና ዴምህት ሒዝዎ ዘሎ ቃልሲ ድማ እዋናውን ፍትሓውን ስለ ዝኾነ ገና ክንምስርቶ ከለና ኣብዚ ደረጃ እዚ ክበፅሕ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ደምሲሱ ሰላምን ዴሞክራስን ከም ዘረጋግፅ ቅንጣብ ‘ውን ትኹን ጥርጣረ የብልናን፣ ስለዚ እዚ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ጠንኪርና ክንቃለስ ኢና።
ዝኸበርኩም ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፦ እዚ ሐዚ ዘሎ ስርዓት ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ዝፈጠሮ ኣብ ህዝብና ዝረአ ዘሎ ምክፍፋልን ምቅሕሓርን ናብ ንቡር ክምለስ እንተኾይኑ፣ ብቐንዱ ድማ ስርዓት ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ስልጣኑ ክውገድ እንተኾይኑ፣ ንሕና ናይ ግድን ብሕብረት ክንሰርሕን ልባዊ ምቅርራብን ምትሕግጋዝን ክንገብርን ይግባእ። ናትና ሓድነትን ውህደትን ንንህዝብታት ኢትዮጵያ ፍቕርን ሓበራዊ ምዕባለን ወሳኒ ተራ ክፃወት እዩ። ካብዚ ወፃኢ ዝግበር ጉዕዞ ግን ብዜካ ነቲ ስርዓት ንማንም ክጠቅም ከም ዘይኽእል ደጊምና ክነስምረሉ ንደሊ።
እቲ እዋን ሓድነት ዝጠልብ እዋን ስለ ዝኾነ፣ ውድብና ዴ.ም.ህ.ት ንሓበራዊ ረብሓን ንዘላቒ ሰላምን ዓሊሙ ዘንቀሎ ቃልሲ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ምስ ኩሎም ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝኣምኑ ተቓለስቲ ውድባት ሓቢሩ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ የረጋግፅ።

ንምጥቕላል ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን፣ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ንእትርከቡ ደገፍቲ ቃልስናን፤ ምእንቲ ውፁዓት ክቡር መስዋእቲ እትኸፍሉ ንዘለኹም ጀጋኑ ተጋደልቲ ዴ.ም.ህ.ትን እንቋዕ ናብ 19 ለካቲት መበል 16 ዓመት ምምስራት ውድብና ዴምህት ብሰላም ኣብፀሐኩም እናበልና፣ ድሮ ኣፋሪቕናዮ ዘለና ዓመተ 2009 ዘበነ ዓወት ክኾነልና ደምህት ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!
ዓወት ንዉፁዓት!!
ለካቲት 19/2009 ዓ/ም

No comments:

Post a Comment