Saturday, February 18, 2017

ኣብ ከባቢ ወረዳ ኢሮፕ ዓሪዶም ዘለዉ ወታሃደራት ወያነ ከካይድዎ ዝፀንሑ ወታሃደራዊ ታዕሊም ዛዚሞም ኣብ ከቢድ ናይ ገዛ ምስራሕ ተግባር ተፀሚዶም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።




ዕላማ ናይቲ ዝስራሕ ዘሎ ገዛውቲ ወተሃደራት ኣግራብ እናብረሱ ምስ ህዝቢ ይጋጨዉ ስለ ዘለዉ፣ ኣብ ሓደ ከባቢ ጥርኒፍካ ኤሌትሪክ ንምእታው ዝዓለመ እዩ ዝብል መግለፂ በቶም ሓለፍቲ ይዋሃብ እኳ እንተሃለወ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ብተደጋጋሚ ንዝጠፍኡ ዘለዉ ወተሃደራት ናይቲ ስርዓት ስዒቡ፣ ሓንቲ ሬጅመንት ኣብ ሓደ ቦታ ክትጥርነፍ ኣለዋ ዝብል መምርሒ ስለ ዝወረደ፣ እቲ ዝስራሕ ዘሎ ገዛውቲ ድማ እዛ ረጅመንት ኣብ ሓደ ከባቢ ጠርኒፍካ ንምቁፅፅራ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ምንጭታትና ኣቃሊዖም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወተሃደራት ወያነ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ፆታዎ መጥቃዕቲ ይፍፅሙ ከም ዘለዉ፣ ናይዚ ውፅኢት ድማ ኣብ እንዳልጌዳ ሓንቲ ንግዚኡ ስማ ዘይበፅሓና ኣዶ ክልተ ቆልዑ ሰበይቲ ዓሚፆም ድሌቶም ምስ ፈፀሙ ቀቲሎማ ከም ዝኸዱ ምንጭታትና ሓቢሮም። 
እዛ ኣደ ተቐቲላ ብየእማን ተፀቒጣ ከም ዝተረኽበት፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ ድማ ወታሃደራት ዓሚፆም ስለ ዝተጋሰስዋ ከይተቃልዖም ክብሉ እዮም ቀቲሎማ ከይዶም እናበለ ይዛረብ ከም ዘሎን፣ እቶም ወተሃደራት ድማ ናይታ ሰበይቲ ሬሳ ኣብ ጥቓ ማዓስከሮም ስለ ዝተረኽበ ኣባላቶም ነቲ ተግባር ከም ዝፈፀምዎ እኳ እንተኣመኑ፣ መን ከም ዝኾነ ከቃልዕዎ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኮኑ፣ ንግዚኡ ሓደ ወታሃደር ብጥርጣረ ዝኣክል ተኣሲሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

No comments:

Post a Comment