Saturday, February 18, 2017

ኣብ ወረዳ መረብ ለኸ ከተማ ራማ ክካየድ ዝቐነየ ብዕምቆት ንተሃደስ ዝብል ኣኼባ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከም ዝተኣሰሩ ምንጭታትና ገሊፆም።



ድሕሪ እቲ ኣኼባ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከሽካዕልሉ ዝፀንሑ ዓበይቲ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ክተሓዙን ክሕተቱን ካብ ህዝቢ ትፅቢት እኳ እንተነበረ፣ ናይዚ ብኣንፃሩ ከለላ ክኾነሎም ዝኽእል ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሰብ ዘይብሎም ታሕተዎት ሰራሕተኛታት ከም ዝተኣሰሩን ዝተባረሩን ይግለፅ ኣሎ።
መዚ መሰረት ቅድሚ ሕጂ ፖሊስ ዝነበረ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ድማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፀፅታ ዝሰርሕ ዝነበረ ዘኣብ ዝተባህለ፣ ኪዳነን ፍታነገስን ዝተባህሉ ናይ ፋይናንስ ሰራሕተኛታት ዝነበሩ፤ ፀጋይ ናይ ጣብያ በሪሃ ስራሕ መካየዲ ዝነበረን ግዕዝይና ፈፂምኩም ተባሂሎም ዝተኣሰሩ እኳ እንተኾኑ ህዝቢ ግን በቲ ተግባር ሕጉስ ከም ዘይኮነ ይግለፅ ኣሎ። 
ምኽንያት ዘይመሓጎሲኡ ድማ ልዕሊ እዞም ሕጂ ተኣሲሮም ዘለዉ ታሕተዎት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካልኦት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰፍ ዘይብል ምዝመዛ ከካይዱ ዝፀንሑን ኣብ ግዕዝይና ዝኣተዉን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይታ ወረዳ ነፃ ስለ ዝተባህሉ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ነቶም ዓበይቲ ዓሳታት ገዲፍካ ነቶም ናእሽቲ ዓሳታት ንምውሓጥ ዝዓለም ኣኼባ ኣብታ ከተማ ይካየድ ከም ዘሎ ገሊፅና ምንባር ዝዝከር እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከተማ ራማ ብሰንኪ ዘሎ ጋሕማጥ ዝኾነ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ተደጋጋሚ ናይ ኤሌትሪክ ምቁርራፅ የጋጥም ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።




No comments:

Post a Comment