Thursday, May 25, 2017

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይጀርያ ካብ ዝሳፈሩ ተጉዓዓዝቲ ካብ ሕጊ ወፃኢ ተወሳኺ ክፍሊት ክቕበል ከም ዝፀንሐ ተረጋጊፁ።



መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይጀርያ ካብ ዝጉዓዙ መንገደኛታት ክሳብ 150 ዶላር ዝበፅሕ ሕጋዊ ዘይኮነ ተወሳኺ ክፍሊት ክቕበል ፀኒሑ ክብል ብዓል ስልጣን ሲቪል ኣቬሽን ናይጀርያ ቅሬታኡ ኣቕሪቡ ።
እቲ ብዓል ስልጣን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ናይጀርያውያን ተጉዓዓዝቲ ተመላሲ ዘይኾን ናይ ዲፓርቴሽን ክፍሊት ንነዊሕ ዓመታት ክእክብ ከም ዝፀንሐ ንመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ካብ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብተወሳኺ ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሌጎስን ኣካኑ ኣብያምን ተላዒሉ ብዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቢሉ ናብ ደቡብ ኣፍድሪካዊት ከተማ ጁሃንስ በርግ ዘምርሑ ተጉዓዝቲ ካብ 75 ክሳብ 150 ዶላር ዝበፅሕ ተወሳኺ ገንዘብ ንክኸፍሉ ከም ዝገበረ ዘኔሽን ዝተሰምየ ጋዜጣ ፀብፂቡ ኣሎ።
ካብ ብርክት ዝበሉ ተጉዓዝቲ  ናይጀርያውያን ድሕሪ ዝቐረቡ ተደጋገምቲ ጥርዓናት ስዒቡ ዕሙቕ ዝበለ ምርመራታት ክካየድ ምፅንሑ ዝገለፀ ብዓል ስልጣን ሲቪል ኣቬሽን ናይጀርያ፤በዚ ምርመራ ድማ ካብ ሕጊ ወፃኢ ክፍሊት ተፈፃሚ ኮይኑ ምፅንሑ ኣረዲኡ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ናይ ተጉዓዝቲ ትኬት ናይ ዋጋ ወሰኽ ክገብር እንተዝደሊ እውን እቲ ወሰኽ ኣቐዲሙ ከፍልጥ ከምዘለዎን ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ከም ዝግባእን ሰበስልጣን ናይጀርያ ኣተሓሳሲቦም ኣለው። 




No comments:

Post a Comment