Thursday, May 25, 2017

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ብዕሙቀት ምህዳስ ዝብል መድረኽ ሰናይ ምምሕዳር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ፍትሒ ዓበይቲ ፀገማት ምህላዎም ነበርታ ገሊፆም።



ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዝወረድኦ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም ካሕሳ መሬት ዘይረኸበ ቅልጡፍ መፍትሒ ክረክብ፤መንበሪ ኣባይቲ ንመምህራን ክዕደል፤ኣኽሱም ደረጃኣን ፅሬታን ዝሓለወት ከተማ ክትከውን ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ቅድሚ ሕዚ ተላዒሎም ዝነበሩ እሞ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ፍታሕ ክንገብረሎም ኢና ኢሎም ቃል ኣትዮምሉ ዝነበሩ ክሳብ ሕዚ መፍትሒ ከምዘይተገብረሎም ኣረዲኦም።
ቤት መዘጋጃ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ፅሬትን ፅባቐን እታ ከተማ ኣብ ምክትታል ዓብይ ሓላፍነት እንሃለዎ እንከሎ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ኣብ ፎቖዶኡ ኣዕፅምትን ካልኦት ጉሓፋትን ብበዝሒ ተኣኪቦም ንዘለው ግቡእ ቁፅፅርን ክትትልን ዘይምግባሩ እቶም ነበርቲ ወቒሶም።
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ከተማ ኣኽሱም ሕፅረት ሽኮርን ዘይትን ኣጋጢሙ ዘሎ ኮይኑ እቲ ሓልሓሊፉ ካብ ቀበሌ ዝዕደግ ሽኮርን ዘይትን ውን እንተኾነ ኣመሓደርቲ ናይታ ከተማ ፈታውን ፀላእን የውፅእሉ ምህላዎም እቶም ወገናት ወሲኾም ኣመልኪቶም።

No comments:

Post a Comment