Sunday, June 11, 2017

ሰራዊት ስርዓት ወያነ ካብ ከባቢ ሽረ ናብ ከተማ ጎንደር ከም ዝተንቀሳቐሰ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝረኸብናዮ ዜና ብርክት ዝበለ ቁፅሪ ዘለዎ ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ብ28 ጉንበት 2009 ዓ.ም ካብ ከባቢ ሽረ እንዳስላሴ ናብ ከተማ ጎንደር ከም ዝተጉዓዓዘ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብደቡብ ጎንደር ኣቢሉ ናብ ሰሜን ጎንደር ፍሉይ ቦታ ወገራ ናብ ዝተብሃለ ቦታ ከም ዝተኣኻኸበ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ብተወሳኺ ድማ ሰራዊት እቲ ስርዓት ኣብቲ ተኣኻኺብዎ ዘሎ ቦታ ከፍትን ንብረት ሓረስቶትን ይዘምት ምህላው ተገሊፁ።
ዕሱብ ሰራዊት ወያነ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊ ኣብ ሰሜን ጎንደር ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽሻፉ ጥሪት ሓረስቶት፤ ማለት እውን ከፍቲን ጤለ በጊዕን ብምግፋፍ ሓሪዱ ይበልዕ ምህላው ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ይገልፁ።
ቅድም ክብል ሰራዊት እቲ ስርዓት ብርክት ዝበሉ ናይቲ ከባቢ ኣባይቲ ከም ዘቃፀለን፤ብተወሳኺ ድማ ሓረስቶት ናይቲ ከባቢ ኣብ በረኻ ዓፂዶም ዝኣከብዎን ኣብ ቆፋፍኦም ዘቐመጥዎን ኣእኻል ምቅፃሉ ዝፍለጥ እዩ፣
እቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ባህሪዳርን ጎንደርን ዝጉህሃር ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ድቃስ ዝኸልኦ ጉጅለ ኢህወደግ ነቲ ናዕቢ ብሓይሊ ንምጭፍላቕ ሰራዊቱ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ኣቢሉ ናብ ሰሜንን ደቡብን ጎንደር ከኽቶም ምፅንሑ ድማ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ፣




No comments:

Post a Comment