Sunday, June 11, 2017

ኣብ ወረዳ ሓውዜንን ከተማ ውቕሮን ዝርከቡ መምህራን ደሞዝና ብትኽክል ኣይኽፈለናን ዘሎ ክብሉ ገሊፆም።



ካብቲ ከባቢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ወረዳ ሓውዜንን ከተማ ውቕሮን ዝርከቡ መምህራን መሃያና ካልኣይ ዲግሪ እናሃለወና ብናይ ቀዳማይ ዲግሪ ይኽፈለና ኣሎ ክብሉ ተዛሪቦም።
ብመሰረት ሕጊ ስርዓተ ትምህርቲ ሃገርና ቀዳማይ ዲግሪ ዘለዎ መምህር ኣብ ካልኣይ  ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከምህር፤ ካልኣይ ዲግሪ ዘለዎ ድማ ኣብ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ከምህር  እናተገብአ እናሃለወ ንሕና ግና  ካልኣይ ዲግሪ ሒዝና እናሃለና ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እናምሀርና ደሞዝና ካብ ኣገባብ ወፃኢ ብናይ ቀዳማይ ዲግሪ ንኽፈል ኣለና ክብሉ ኣማሪሮም።
ከም ዝፍለጥ ስርዓት ወያነ ኣብዚ ቀረባ እዋን ወሰኽ ደሞወዝ ብምግባር መነባብሮ ምምህራን ክመሓየሽ ገይረ ምባሉ ዝዝከር ኮይኑ፤ይኹን እንበር እዚ ገይረዮ ዝበሎ ወሰኽ ደሞዝ ሓላፍ ዘላፍ ዘለዎን መነባብሮ መምህራን ብግቡእ ክመርሕ ዘይኽእልን ምዃኑ ዝተፈላለዩ መምህራን ሃገርና መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም ይፍለጥ።   

No comments:

Post a Comment