Friday, July 21, 2017

ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓድየት ከተማ ሰመማ ዝርከቡ መምህራን መንግስቲ መንበሪ ኣባይቲ ንመምህራን ክዕደለኩም እዩ ኢሉ እናሃለወ ክሳብ ሕዚ ግን ክዕደለና ኣይካኣለን ክብሉ ገሊፆም።



  ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ስርዓት ወያነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፀገም መንበሪ ኣባይቲ መምህራን ንምቅላል መንበሪ ገዛውቲ ይዕድል ኣለኹ እኳ ይብል እንተሃለወ ዛጊድ ግን ንኽዕደሎም ተደጋጋሚ ሓቲቶም ሰማዒ ከም ዝሰኣኑ ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ከተማ ሰመማ ዝርከቡ ብማሕበር ዝተወደቡ መምህራን መረረቶም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ ኣለው።
  ኣብቲ ከባቢ ንዝተወሰኑ መምህራን መንበሪ ኣባይቲ ተዓዲሉዎም፤ኣባና በፂሑ ምኽልካሉ ድማ ዘሐዝን ፍፃመ እዩ ዝበሉ እቶም መምህራን፤እዚ ድማ መርኣያ እቲ ስርዓት ዝፍፅሞ ዘሎ ኣድልዎን ሓላፍ ዘላፍን ምዃኑን፤ከምኡ እውን ኣባል ወያነ ዝኾነ ጥቕማ ጥቕሚ ክረክብ ኣባል ዘይኮነ ድማ ዘይረክብ ከም ዝኾነ ብግልፂ ዘርእየካ እዩ ክብሉ እቶም መምህራን ወሲኾም ኣረዲኦም።

No comments:

Post a Comment