Friday, July 21, 2017

ነባርነተን ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሴሮ ዝኾና ወይዘሮ እልፍነሽ ኣባይ ንኢንቨስትመንት ክውዕል እዩ ብዝብል ጉልባብ መሬተይ ብሓይሊ ተመንጢሉ ተወሲዱ ክብላ ገሊፀን።



   ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ዜና ከም ዘረድኦ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሴሮ ዝነባርነተን ወይዘሮ እልፍነሽ ኣባይ ዝተብሃላ ወገን ንብርክት ዝበሉ ዓማውቲ ዝጥቀማሉ ዝነበራ መሬተን ኣመሓደርቲ ወረዳ ኣሕፈሮም ምስ ኣቦ ወንበር ጣብያ ሴሮ ታደሰ ኣስፋሃ ብምምሽጣር ንኢንቨስትመንት ክውዕል እዩ ብዝብል ስንኩል ምኽንያት ብሓይሊ መንጢሎም ኣብ ረብሓ እቶም ካድረታት ውዒሉ ምህላው ተፈሊጡ።
  ከም ሓበሬታ ወይዘሮ እልፍነሽ  እቲ መሬት ክሳብ ሕዚ ግቡእ ዝኾነ መሰረተ ልምዓት ይግበረሉ ከም ዘየለን፤ካሕሳ ብዝብል ምኽንያት ድማ ንእሽተይን ኣልሚዕኻ ክትልወጠሉ ዘይትኽእልን መሬት ውሰዳ ከም ዝተብሃላን እንተኾነ ግን ነዚ በቶም ኣመሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ዝተሃንደሰ ምድንጋር ከም ዘይተቐበልኦን ኣረዲአን።
  ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ትግራይ ብሽም መሰረተ ልምዓት ኣመሓደርቲን ካድረታትን ህወሓት ማእለያ ዘይብሉ ናይ ፅጉማት መሬት እናወረሩ ንግለ ጥቕሞም የውዕልዎ ምህላውምን ህዝቢ ድማ መዓልታዊ መረረቱ የስምዕ ምህላውን ዝፍለጥ እዩ።

No comments:

Post a Comment