Monday, August 7, 2017

ሆስፒታል ሪፈራል ዓይደር ንተሓከምቲ ግቡእ ግልጋሎት ይህብ ከም ዘየለ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፤ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ሪፈራል ዓይደር ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕፅረት ሰብ ሞያን ናውትን ንተሓከምቲ ግቡእ ግልጋሎት ክህብ ከም ዘይካኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሆስፒታል ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ትግራይ ክሕከሙ ዝመፁ ማእለያ ዘይብሎም ተሓከምቲ ከም ዘለው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ይኹን እንበር ዋሕዲ ሰብ ሞያን ዓራውትን ኣጋጢምዎ ስለዝርከብ ግቡእ ግልጋሎት ክረኽቡ ከም ዘይካኣሉ እቶም ወገናት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
ብተወሳኺ ሆስፒታል ሪፈራል ዓይደር ልዕሊ ዓቕሙ ተሓከምቲ ካብ ምህላው ዝሰገረ ኣዝዮም ንዝተወፅዑ ሕሙማት እውን ቅልጡፍ ረድኤት ክህብ ከም ዘይካኣለን ብምኽንያት ኣብቲ ሆስፒታል ዘሎ ናይ ዓራውቲ ዋሕዲ ኣብ ባይታ እናደቀሱ ንዘይተደልየ ተወሳኺ ሕማምን ስቃይን ይቃልዑ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።   
 

No comments:

Post a Comment