Monday, August 7, 2017

ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር፤ወረዳ ላዕላይ ጋይንት፤ዝነብሩ ወገናት ብሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ይሳቐዩ ምምህላዎ ተፈሊጡ።



ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዝረድኦ ኣብ ክልል ኣምሓራ፤ዞባ ደቡብ ጎንደር፤ወረዳ ላዕላይ ጋይንት፤ዝርከቡ ነበርቲ ህዝቢ ጣብያ ጮጮሆ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ገሊፆም።
ማይ ንምርካብ ክብሉ ነዊሕ ሰዓታት ከም ዝጉዓዙ ዝገለፁ እቶም ወገናት፤እታ ነዊሕን ዓቐበ ቁልቁልን ተጓዒዝካ ማይ ዝቕድሓ ቦታ እውን እንተኾነ፤ኣዴታት ለይትን ቀትርን ብቁሪን ፀሓይን ተሳቕየን ተራ ብምሓዝ ሓንቲ ጀሪካን ጥራሕ ከም ትበፅሐን ኣፍሊጦም።
ብተወሳኺ እታ ዝርካባ ሓንቲ ጀሪካን ድማ ኣዴታት ሸሞንተ ቅርሺ እናኸፈላ ዝወስዳኣ ኮይነን እቲ ማይ ድማ ፅሬቱ ዝሓለወ ብዘይ ምዃኑ ነበርቲ ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ብዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይሳቐዩ ምህላዎም ኣረዲኦም።
ብተመሳሳሊ እቶም ዜጋታት ኣብ ከባቢኦም ኣጋጢሙ ዘሎ ነዊሕ ግዜ ዘቑፀረ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ መፍትሒ ንምርካብ ተደጋጋሚ ክሓቱ ከም ዝፀንሑን እንተኾነ ግን ፤ኣመሓደርቲ ናይቲ ክልል ብዘይካ እቲ ኣብ ሓፂር ግዜ ክንፈትሐልኩም ኢና ዝብል ልሙድ ምድንጋር ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ክሳብ ሕዚ ዝገበርዎ ፃዕሪታት ከም ዘየለ እቶም ወገናት ወሲኾም ኣረዲኦም።






No comments:

Post a Comment