Friday, October 13, 2017

ሓድነት ህዝብታት ብምዝራግ ስልጣንካ ምንዋሕ ወፍሪ ኢህወደግ



ሃገርና ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ባህሊ፤ ቋንቋ፤ ልምዲ፤ ወግዕን ሃይማኖትን ዝወነኑ መንበሪት ቡዙሓት ቢሄርን ቢሄረሰባትን ምዃና ወድዓዊ ሓቂ እዩ።እዞም ህዝብታት ድማ ንነዊሕ ዓመታት ተኸባቢሮም፤ሓድነቶም ኣደልዲሎም ንዝመፀ ወራር ሓይሊ ብምምካት ልዑል ሃገራዊ ፍቕርን ታሪኽን ዝወነኑ ዜጋታት እዮም።በዚ ድማ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውነቶም ዘበረኹ ቡዙሓት ብሄራት ግን ድማ ሓደ ኣካል ኮይኖም ፀላእቶም ብምድርዓሞም ንዓለም ዘቕነአ ቅያ ገዲፎም እዮም።
እንተኾነ ግን እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ኣብ 1987 ዓ/ም ባዕሉ ኣርቂቑ ንዘፅደቖ ሕገ-መንግስቲ፣ንስልጣኑ ከናውሐሉ ብዝኽእል ሜላታት ነዲፉ ብምድንጋርን ምንጭብርባርን 26 ዓመት ሙሉእ ከቑፅር ክኢሉ'ሎ።እዚ ንዘመናት ዝፀንሐ ዝተጠናኸረ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ፣ብፀረ ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ ህዝብታት ነንባዕሎም ክጋጨውን ክናቖሩን ብምግባር ሎሚ ሃገር ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ ገይርዋ ይርከብ።
እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት እዚ ንስልጣኑ ከናውሐሉ ብዝኽእል መንገዲ ካብ ዝኣለሞም ተንኮላት ውሽጢ፣ እቲ ሓደ ህዝብታት ሃገርና ብዓሌት ብምክፍፋል ኣብ ሞንጎኦም ስጡም ሓድነት ከይምስረት ናይ ፅልእን ቅርሕንትን ባይታ እናረኸበ ነንባዕሎም እናተናቖሩን ናተይ ናትካ ሰፊሑ ኢትዮጵያዊ መነነቶምን ሓድነቶምን እናሃሰሰ ንኽኸይድ ምግባር እዩ።ሓድነቶም ተበታቲኹ ብጥርጣረ ዓይኒ ኣብ ዝረአዩ ድማ ኣብ መንጎኦም ሓላይ መሲሉ ከተዓርቕ ኣብ ዝምኩረሉ ነቲ ስውር ተግባሩ ነዳዲ ክመልስን ክብእስን ይገብር ኣሎ።
ናይዚ መዕነዋይ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት ተግበርቲ ዝኾኑ ድማ፣ካድረታትን ሓይልታት ፀፅታን ኮይኖም፣ በብእዋኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይ ሃገርና ብሰላም ክነብሩ ዝፀንሑ ህዝብታት ሃገርና፣ከም ዝጋጨው ብምግባር ዝተፈላለዩ ተንኮላትን ምልዕዓላትን ክገብሩ ፀኒሖምን ኣሎውን።ብኡ ልክዕ ድማ ኣብታ ሃገር ብዝዘርኡዎ ናይ ብሄር ግጭት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ክመፅ ክኢሉ።እዚ ጥቕልል ኣቢልካ ክረአ ከሎ ድማ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ኣዕናዊ ፖሊሲ ኢህወዴግ ከም ዝሳኻዕ ተገይሩ ዝተሰርሐ ኡኩይ ተግባር ምዃኑ  ዘርኢ እዩ።
በቲ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዝለዓል ቅርሕንትን ግጭትን ድማ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓደ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ከይዕሙፁን ከይላዓሉን ዝዓለመ ብምዃኑ ዕደመ ናይቲ ስርዓት ክሳብ ሕዚ ብዘይ ውክልና ህዝቢ ክፀንሕ ኣኽኢልዎ እዩ።
ኣብ ዕድመ ስልጣን ኢህወዴግ፣ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ማለት ኣብ ዓፋርን ሶማልን ዝርከቡ ዓሌታት ፤ኣብ ኦሮሞን ኣምሓራን፤ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብሄረሰባት ወዘተ...ግጭት ብምቑስቛስ ሓድነቶም ክናጋዕ ቡዙሕ ክሰርሕ ፀኒሑን ኣሎን።
ሕዚ ድማ መቐፀልታ ናይቲ ሰይጣናዊ ተግባሩ፣ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ሶማልን ኦሮሞን ግጭት ክለዓል ብምግባር ባዕሉ መልሚሉ ብዝለኣኾም ፉሉያት ሓይሊ ፖሊስን ብሓፈሻ ሓይልታት ፀፅታን ወታደራትን ኣቐዲሞም ክገብሩዎ ዝግባእ ህዝባዊ ድሕንነትን ምክልኻልን ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ሓደጋን ዕንወትን ኣብ ኣብ ርእሲ ዜጋታት ምስ ወረደ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራእዮም።ናይዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ዝተሳወረ ኲናትን ደምነትን ድማ ዋና መበገሲኡን ተሓታቲኡን እቲ ስርዓት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።
ንምጥቕላል እዚ ኣምባገነናዊ ስርዓት እዚ፣ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ኮይኑ "ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ"ዝዓይነቱ እከይ ተግባሩ ብምጥንኻር፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት  ነንባዕሎም ክጋጨውን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ክዳመዩን እናገበረ ይሰርሐሉ ኣብ ዘለሉ እዋን፣ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዴሞክራስን ዝኾነ ዜጋ ብልዑል ንቕሓትን ቃልስን ተላዒሉ ዕድመ ናይቲ ጉጅለ ንምሕፅር ይረባረብ።
   

No comments:

Post a Comment