Saturday, October 28, 2017

ባእሲ ሓራምዝ ሳዕሪ ይህሰ፣



   እቲ ኣብዚ ቕንያት ምስ ሕቶ ምልዓል ብገለ ነባራት ኣመራርሓን ካድረታትን ጉጅለ ኢህወደግ ኣቐድም ኣቢሉ እውን ሓላፊ ፕሮቶኮል ናይቲ ሕዚ ዘሎ ጠቕላይ ሚኒስተር ናብ ኣሜሪካ ከይዱ ዕቑባ ሓቲቱ ምትራፉ ተተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጋሒጢጡ ዘሎ ሓደጋ  ናህሩ ክውስኽ ይረአ ኣሎ።
   እዚ ተርእዮታት እዚ ንፈለማ ግዜ እኳ እንተዘይኮነ፣ ምስ ህሉው ኩነታት ብምዝማድ ከይዲ ኣፈፃፅማን ዘልዕልዎ ዘሎው ሕቶን ክረአ ከሎ ግን ኣብ ዕድመ ስልጣን እቲ ጉጅለ ውሽጣዊ ነድሩ ዓቢጡ ባዕሉ ንፈጠሮም ደጋዊ  ቁስልታት እታ ሃገርን ህዝብን ክሕክም እየ ኢሉ መብፀዓን ጣዕሳን እናኣተወ ኣብ ዘሎሉ በቲ ሓደ ፣በቲ ካልእ ወገን ድማ ን26 ዓመታት ዝነደሩ ቁስልታት ፈውሶም ንምርካብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኩለመደያዊ ቃልስን ምልዕዓልን ኣብ ጫፍ ዝበፀሐሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።
   እዞም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለዩ ስልጣንን ሓላፍነት ተዋሂቡዎም ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋ ኢዶም እናሓዎሱ ናይ ባዕሎም ኣበርክቶ ክፃዎቱን ክሕምዙቑን ዝፀንሑ ኣካላት ምዃኖም ድማ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን።
  ንምዃኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስልጣኖም ንኽለቑ ዘገደዶም ምኽንያት እንታይ እዩ?ኣብቶም ዝሓለፉ እዋናት እዚ ሕቶ ንምታይ ከልዕሉዎ ዘይክኣሉ? ሕዚ  ኣብታ ሃገር መፍትሒ ስኢኑ ብሎሚ ዶ ፅባሕ ይነቱግ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን  ንውልቆም ክወርዱ ብኸመይ መይሪፆም? ብሱሩ ኸ ካብቲ ተፈአጢሩ ዘሎ ሓደጋ ካብ ተሓታትነት ምምላጥ ይከኣል ድዩ? እዚ ሕቶ 'ዚ ንኹሉ ደላይ ለውጢ እዋናዊ መልስን ፍታሕን ክህበሉ ይግባእ ክንብል እሞ፣ነዞም ኣካልት ብዘልዓልዎ ሕቶ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያን መራኸብቲ ሓፋሽን ዝልጦፉን ዝጋውሑን ዘሎው ሓሳባት ካብ ቡዙሓት ሓደ ከም ኣብነት ኣልዒና ክንገልፅ፣
   ኣብዞም ኣካላት መንግሲ እዚኦም ኣድሂቦም ቁፅሮም ዘይንዓቑ ሓሳባት ካብ ዝተውሃቡ፣ነቲ ካብ ስልጣንካ ናይ ምእላይ ሕቶ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ትኽክለኛን እዋናውን ህዝባውነትን ዘረጋግፅ ውሳነ እዩ ዝብል እዩ።
   ሓዱሽ ነገር እኳ እንተዘይተብሃለ፣በቲ በለ በቲ ግን እዞም ኣካልት እዚኦም ሽግር ዝፈጠሩን ክፍጠር ከሎ ድማ እናረአዩ ከም ዘይረአዩ ቃንዛን ስቓይን ህዝቢ ዘይንታዮም ጉዳይ ውልቃዊ ናብሮኦምን ስልጣኖምን ግን ዘሕሙሞም ዓበይቲ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እዮም።
  ሕዚ ብሓደጋ ምስ ተኸበብካ ንውልቕኻ ዝግበር ወለም ዘለም ድማ ፍፁም ህዝባውነት ኣየረጋግፅን።ህዝባውነት ማለት 'ማ ፈለማ ሚሒልካን ጥሒልካን ዝኣተኻዮ ናይ ህዝቢ ወንበር ብቕንዕና ፤ብእምነት ብተወፋይነት ምግልጋል፣ካብዚ ሓሊፉ ድማ ተሓታትነት ብምርግጋፅ ልዕልና ሕጊ ኣኽቢርካ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰል ናይ ዜጋታት ብምሕላው ወይ ከይጠሓሱ  ወገናውነትካ ተረጋግፀሉ ባይታ ምጥጣሕ ወይ ተዓጢካ ምቅላስ እዩ።
   ኣይኮነን ግን ህዝባዊ ሓላፍነትካ ረሲዕኻ ውልቃዊ ረብሓኻ ንምድልዳል ናብ ዓዘቕቲ ብልሽውናን ረሳሕ ተግባራትን ክትዋፈር ፀኒሕኻ ሕዚ ኣብ ኣጋ ዕርበትካ ካብ ስልጣነይ ክወርድ ኣለኒ ማለት ካብ ተሓታትነት ኣየድሕንን።ወለድና እንትምስሉ ክልተ ሓራምዝ እንትበኣሱ ሳዕሪ ይህሰ ይብሉ።
   እዚ ማለት ድማ እዞም ኣካላት እዚኦም ኣብዚ ናይ ሓደጋን ተታሒዝካ ናይ ምፅዳፍን ወቕቲ ነቲ ን26 ዓመታት ሙሉእ ክኽተልዎን ከተግቡሩዎን ዝመፁን ዘሎውን ኣዕናዊ ተግባራት እቲ ጉጅለ ፣ሎሚ ህዝብን ሃገርን ከዕኑ ዝኽእል ደበና ጥፍኣት ተኸቢቡ ኣብ ዘለሉ ነኒ ባዕሉ እናተጓነፀ ካብ ሓደጋ ዘውፅእ መፍትሒ ምትግባር ኣቢዎ ኣብ ምጥምማትን ናይ ስልጣን ቁርቁስን ተሸሚሙ ከም ዘሎ ብግልፂ ዘርኢ እዩ።
   ናይዞም ብሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ሃጢሮም ብኩቱር ስሰዐን ፃምእ ስልጣንን እናተጓነፁ ሽግር ንምፍታሕ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ድማ ውፅኢቱ እቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ፈረኽረኽን እዩ።
   ካብዚ ሓሊፉ እቲ መፍትሒ ስኢኑ መዓልታዊ ብዝተፈላለዩ ሰብ ስራሕን ተፈጥራውን ሓደጋታት ዝጥቃዕ ዘሎ ምስኪን ህዝቢ ድማ ዝወርዶ ዘሎ ማህሰይቱ ንምግማቱ ኣየፀግምን። ስለዚ ውሽጣዊ ንሕንሕን ጎንፅን ጉጅለ ኢህወደግ ህዝብን ሃገርን ተመላሊኡ ከይዓነወ ኩላትና ደለይቲ ፍትሕን ዴሞክራስን ዝኾና ኢትዮጵያውያን ሓቢርና ዓወትና ነቀላጥፍ።      

No comments:

Post a Comment