Saturday, January 13, 2018

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሽመት ፈፀምቲ ስራሕ ንምፅዳቕ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ጉባኤ ብኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዘቕረብዎ ወሰንቲ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ክረኽቡ ብዘይምክኣሎም መዘራረቢ ጉዳይ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።



እቲ ብዕለት ክልተ ጥሪ 2010 ዓ/ም ሽመት ፈፀምቲ ስራሕ ንምፅዳቕ ዝተፀወዐ ህፁፅ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግልፂ ብዘይኮነ ናይ ሰባት ምውራድን ምቕያርን ብዝቐረበ ፕሮፖዛል ብኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝቐረበ ሕቶ ኣዕግብን ግልፅን ብዘይምግባሩ ብውሑዳት ተጠጂኡ ንቡዙሓት ዝዓፈነ ምፅዳቕ ሽመት ከም ዝተሳለጠ ተገሊፁ።
ብኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ መን እንታይ ገይሩ ወሪዱ?እቲ ዝትካእ እንታይ ሓለፋ ሰሪሑ ደይቡ ፤ንሕና ከም ወከልቲ ህዝቢ መጠን መረዳእታ ንደሊ ኢና ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ዋላ እንተቕረቡ ነዚ ግልፂ ክግበር ብዘይምክኣሉ ኣብ ቀፃሊ ንዝሳለጥ ጉባኤ ከቢድ ናይ ምጥቕቓዕ ኩነታት ከም ዝኽሰት ቡዙሓት ወገናት ስግኣቶም ይገልፁ።
ኣብ መዎዳእታ እቲ ዝተኻየደ ናይ ፈፀምቲ ስራሕ ሽመት ግልፅነት ብዘሎዎን ኣሳታፍን ብዘይኮነ መንገዲ ብምስላጡ ካብቲ ክሳለጥ ዝፀንሐ ናይ ሓለፍቲ ምውራድን ምሻምን ዝተፈለየ ኣይኮነን ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልፁ።

No comments:

Post a Comment