Sunday, June 21, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣገልግሎት ፍትሕን ምሕዳርን ብጉቦን ግብረለይ ክገብረልካን ከም ዝኾነ ነበርቲ ገሊፆም።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ካብ ምምሕዳር ክልል ዝተለኣኹ ብኪሮስ ቢተዉ ዝምርሑ ሰበ ስልጣን ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንዝነብር ህዝቢ ኣኪቦም ኣዋህባ ፍትሕ ከመይ ኣሎ? ኢሎም ኣብ ዘቕረብዎ  ፈላማይ መማያየጢ ሓሳብ ተኣከብቲ ድማ “ኣብቲ ዞባ ተዋፊሮም ዝርከቡ ዓቀብቲ ሕግን ደያኑን ብፍላይ ድማ ፖላዊስ ሕጋዊ መደበኛ ሰርሖም ገዲፎም ብግቦ፤ ኮንትሮባንድን ዝተፈላለየ ጥቕማ ጥቕምን ብምእካብ ኣብ ሓፂር ግዜ ኢንቨስተራት ኮይኖም ኣለዉ ስለዚ ፍትሒ ንምንጋስ ዝሰርሕ ኣካል ስለ ዘየለ ፍትሒ ብገንዘብ ይሽየጥ ኣሎ፣” ክብሉ ከም ዝተዛረቡ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ካብ 28 ግንቦት 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ድማ ኣመሓደርቲ ዞባን ወረዳን ከመይ ኣለዉ? ክብሉ ከም ካልኣይ መማያየጢ ሓሳብ ኣብ ዘቕረብዎ ድማ ህዝቢ “ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ተወሊዑ ዘሎ መፍትሒ ዝተሰኣኖ ግጭት ዋና ኣመሓዳሪ ናይ’ቲ ዞባ ፍስሃ በርሀ ቅድምን ድሕርን እቲ ግጭት ሓላፍነቱ ስለ ዘይተዋፀአ ጠንቂ ባዕሉ ከም ዝኾነ።” ኣብ ቅድሚኡ ከም ዘቕረብሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ምስ ፍስሃ በርሀ ብዝተኣሳሰረ ናይ ስልጣን ብልሽዉና ድማ ናይ ዞባ ምዕራብ ንግዝኡ ሽሙ ዘይተነፀረ ሓላፊ ከተማ ልምዓትን ኣተሓባባሪ ማሃንዲሳትን ልዕሊ 3 ሚልዮን ብር በሊዑ  ኣብ ከተማ ሑመራ ተኣሲሩ ዝርከብ ኮይኑ ፍስሃ በርሀ ድማ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ እቲ ስራሕ ብምክትሉ ይምራሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
     ዳርንሕ