Sunday, June 21, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ዳንግላ ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ህዝቢ ቅኑዕ ኣይኮነን ኣይመርፅን ስለ ዝበለ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ይእሰሩ ምህላዎም ይግለፅ ኣሎ።



እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ህዝቢ ከተማ ዳንግላ ኣብ’ዚ ምስሉይ መረፃ 2007 ዓ/ም ኣይንሳተፍን ብምባል ዝኣበየ እንትኸዉን ካብ’ቶም ኣይንመርፅን ኢሎም ብምእምባዮም በቲ ኣምባገነን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝተኣሰሩ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦ ተስፋየ ኣባተ፤ በለጠ ገረመዉ፤ ባህሩ ካሳ፤ ሽዋየ ብሩን ኣደሬ መኮነንን ዝተብሃሉ ንፁሃት ዜጋታት ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።
መእሰሪ ናይዞም ዜጋታት ድማ ስለ ምንታይ ዘይመረፅኩም? እንታይ ዝተኣማመንኩሞ ነገር ስለ ዘለኩም እዩ? ዝብል ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ በቲ ዝዉሰድ ዘሎ ሕጋዉነት ዘይብሉ ምእሳርን ምፍርራሕን ድማ ነባሪ ህዝቢ ካብዛ ዝተወለድናላ ዓድና ናበይ ክንጠፍእ ደልዮምና ንምረፅ ኣይንመረፅ መሰልና እዩ ንምንታይ ንእሰር እናበለ መረረቱ ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።