Thursday, May 10, 2018

ኣብዚ ስሙን እዚ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ታዓለምቲናብ ክፍሊ ትምህርትን ስልጠናን ዴምህት ተፀንቢሮም።



ካብኣቶም ውሱናት ንምጥቃስ፣
1.  ሃፍቶም መብራህቱ ወለብርሃን ኣብ ዞባ መቐለ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ጣብያ ማርያም ምቖ ቑሸት ብጥቑላ ዝዓዱ
2.  እፍሬም ገብረሚካኤል ኣስመላሽ ኣብ ዞባ ማእኽል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዓዲ ዛታ ቑሸት ዓዲ ፍርንጊ ዝዓዱ
3.  ናትናኤል ወሉ ገብረስላሴ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑሞራ ጣብያ ትርካን ዝዓዱ፣
4.  መለስ ሃይለስላሴ ገብረስላሴ ኣብ ዞባ ማእኽል ወረዳ ዓብዪ ዓዲ ጣብያ 03 ቑሸት ኣሉላ ዝዓዱ፣
5.  ገብረዋህድ ነጋ በለጠ ኣብ ዞባ ማእኽል ወረዳ ዓድዋ ጣብያ 04 ቀጠና 02 ዝዓዱ፣
6.  ኣክሊሉ ተስፋይ ፍሳሃ ኣብ ዞባ ማእኽል ወረዳ ዓድዋ ጣብያ 04 ቑሸት 01 ዝዓዱ፣
7.  ክብሮም ማሙ ገረዝጊሄር ኣብ ዞባ ስሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዋዕላ ንህቢ ቑሸት ተሮና ዝዓዱ፣
8.  መለስ ገብሪሂወት ተስፋይ ኣብ ዞባ ማእኽል ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ወዲቐሺ ቑሸት ማይወር ዝዓዱ፣
9.  ዓብለሎም ካሳ ሓጎስ ኣብ ዞባ ማእኽል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ምሕቛን ቑሸት መረብ ዝዓዱ፣
10. ገርዝጊሄር መብራህቱ ገረመድህን ኣብ ዞባ ማእኽል ወረዳ ወርዒ-ለኸ ጣብያ ማእኽል ሰግሊ ቑሸት ነቃዕ ዝዓዱ፣
11. ባና ተወለ ዮሃንስ ኣብ ዞባ ስ/ምዕራብወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ጎዲፋይ ቑሸት ዓዲ ጎዞሞ ዝዓዱ፣ እንትኾኑ ብሓባር ዝገልፅዎ ብስእነት ስራሕን ሕፅረት መነባብሮን ተማሪሮም ናብ ቃልሲ ከም ዝመፁ እዮም ዝዛረቡ።
ብፍላይ ገረዝጊሄር መብራህቱ ከምዚ ይብል፣ዝስራሕ መሬት ኮነ መንበሪ ገዛ ሓቲቱ ክረክብ ከም ዘይካኣለን ስደት ከይዱ ከይሰርሕ ድማ ካበይ መፂኻ ኣበይ ነይርካ፣ ምስ ተቓወምቲ ትራኸብ ኢኻ ብዝብል በቶም ዕሉላት ናይቲ ስርዓት ደገፍቲ ክሰርሕ ከምዘይካኣለ ይገልፅ፣ እንደገና እተን ብማዓልቲ ትሰርሐን ክተዋህልል ይትረፍ ንቀለብካ ኣርኣላን ብምባል ይዛረብ፣
ኣብ መወዳእታ ብሓባር ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ፣ንኩሉ ስራሕ ዝሳኣነን ብስእነት ዴሞክራሲዝሳቐ ህዝብና ተሰዲድካን ነቢዕኻን ፍታሕ ክርከብ ኣይኽእልን፣ እቲ ፍታሕ ማዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ምስ ዴምህት ምቅላስ እዩ ብምባል ይመክሩ።  

No comments:

Post a Comment