Thursday, May 10, 2018

ብህይወት ዜጋታት ምጥላዕ የብቅዕ!!



   እቲ ሓዱሽ ጠቕላይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣህመድ ካብ ጠቕላይ ሚኒስተር ነበር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳላይ ተረኪቡ ኣብቲ ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብዘስምዖ መደረ ኣመልኪቶም ቡዙሓት ዜጋታት ተኣምር ዘበለ ለውጢ ከም ዝተፈጠረ ሓሳቦም ክህቡ ተራእዮም።ብኣንፃሩ ባህርን ተግባርን ናይቲ ጉጅለ ዝተረድኡ ኣካላትን ውድባትን ድማ ሕቶ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብናይ ውልቀ ሰባት ዘይኮነስ መፍትሒኡ ናይ ፖሊሲ ለውጥን ስርዓትን እዩ ብምባል መግለፂ ሂቦምሉ እዮም።
   ሓዱሽ ተተካኢ ጠቕላይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣህመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ናብ ጅግጂጋ፤ ኣምቦ፤መቐለ፤ ኣዲስ ኣባባ፤ጎንደር፣ ባህርዳር፤ ሃወሳ፤ ቤንሻንጉል፤ናብ ከተማ ሮቤ ተዘዋዊሩ ናይቲ ከባቢ ባህልን መንነትን ዘሎዎ ታሪኽን እናልዐለ ጡዑማት ሓሳባት ካብ ምሃብ ዝዘለለ ነቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ሂወት ሰብ ዝበልዕ ዘሎ ግጭት ኣብ ሞንጎ ኣሓት ህዝብታት ንምፍታሕን ውሑስ ሂወት ከረጋግፅ ዝኽእል ናይ ፖሊሲ ለውጥጢ ከምዝገብር ኣይተሰመዐን።
  በዚ ምኽንያት ድማ ድሕሪ ሽመት ሓዱሽ ጠቕላይ ሚኒስተር ካብቶም ዝፀንሑ መዕነውቲ ተግባራት ብዘይንእስ ሕዚ 'ውን ይበራኸቱ ኣሎው።ኣብነት እንተተደልዩ ድማ እቲ ኣብ ከተማ ሞያሌ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ዘሎ ግጭትን ዝጠፍእ ዘሎ ሂወት ዜጋታትን ዕንወት ንብረትን፣ ኣብ ከተማ ኣንቦን ከባቢኣን ድማ ብቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ተምሃሮ ዝተኣሰሩ ዜጋታት ይፈትሑ፤ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ይለዓል ብዝብል ተቓውሞ ብምስሞዖም ብሓይልታት ፀፅታ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምልዓል ይከኣል።
  ካብዚ ብዝበኣሰ ድማ ኣብ ምዕራብ ጉጂ ዝነብሩ ተወለድቲ ክልል ኦሮምያን ተወለድቲ ክልል ደቡብ ዞባ ጌዶ ኣብ ሞንጎኦም ብዝተልዓለ ግጭት ስዒቡ ዝሓለፈ ሂወት ዜጋታትን ዝዓነወ ንብረትን ጥሪትን ከምኡ 'ውን ብኣሽሓት ዝግመቱ ዜጋታት ድማ ካብ ዝነበርዎ ከባቢ ተፈናቒሎም ንኣደደ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ጸገማት ተቓሊዖም ዝበፅሐና መንግስታዊ ኣካል ስኢና ክብሉ ይረአዩ ኣሎው።
  ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ድማ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ክልላት ኦሮምያን ቤንሻንጉልን ንዓመታት ክነብሩሉ ዝፀንሑ ቦታ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ግጭት ለቒቖም ናብ ከተማ ባህርዳር ኣትዮም ኣብ ትሕቲ ቤተ ክርስትያን ግዝያዊ መዕቖቢ ረኺቦም ኣደታት ህፃናት ሒዘን ንዝበፅሐ ሽግር ንብዓተን እናውሓዘ መፅኢ ዕድልና እንታይ እዩ?መንግስቲ ዘላቒ ፍታሕ ከምፅእ ኣሎዎ ክብላ ተራእየን።
  እዚኦም ካልኦት መሰረታዊ ሽግራትን ተዶጒሎም ኣብ ዘሎውሉ እዩ እምበኣር ሓዱሽ ጠቕላይ ሚኒስተር ኣይተ ኣብዪ ኣህመድ ኣብተን ናይ ሓደጋ ቀይሕ መስመር ዝበለን ከባብታት እናዞረ ሙሩጻት ቃላት ብምስማዕ ዝፍትኖ ዘሎ ክያዶታት እናፈሸለ ዝርከብ።
  እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ድማ ነቲ ናይ ውሽጢ ፀገም ዘላቒ መፍትሒ ከይገበረ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑደት ብምግባር ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኬንያ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ክፍትሑ ተይሩ እናተብሃለ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዜና ክስራሐሉ ንዕዘብ ኣለና።
  እዚ ዝነኣድ ተግባር እኳ እንተኾነ፣ቐዳምነት ግን ነቲ መፍትሒ ስኢኑ ሂወት ዜጋታት ዝበልዕ ዘሎ ግጭት፣ ዜጋታት ካብ ሃገሮም ከም ካልእይ ዜጋ እናተርእዩ ናብ ትውልዲ ከባቢኦም እናተሰጎጉ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ዝቃልዕሉ ዘሎው ኩነታት ክግታእ፤ሕቶ ህዝብታት ኢትዮጵያ ምላሽ ክረክብ ብምግባር ውሕስናን ሓድነትን ህዝብታት ብምርግጋፅ ልምዕትን ዕብየትን ክሳለጥ ይግባእ ነይሩ።
  ኣይኮነን ግን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ፍታሕ ከየምፃእኻ ቃላት ኮሓሒልካን ኣደዓዒስካን ድግም ውዒልካ ድግም እንትዝሕደር ለውጢ ኣየምፅእን።ስለዚ ንፖሎቲካዊ መኽሰብ ተባሂሉ ዝግበር ናይ ቃላት ፅዋታ ብሂወት ዜጋታት ምጥላዕ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

No comments:

Post a Comment