Tuesday, January 8, 2013

ኣብ ከተማ ሃረር ኣብ ኣራተኛ መስጊድ ብኣመንቲ እስልምና ዉዕዉዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብ27 ታሕሳስ 2005 ዓ/ም ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ።


ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ማሕበረሰብ እስልምና መሰል ሃይማኖትና ይከበር ባዕልና ብዝመረፅናዮም ኣባላት ጉባኤ ኢና ንምራሕ፤ መንግስቲ ነፃነት ሃይማኖት የኽብርን ኢዱ ኣታዉነት ይቆጠብ ዝብልን፣ “ኣሕባሽ” ዝባሃል ሃይማኖት ኣይንቕበልን ብምባል ተቓውሞ ካብ ዘስምዑ ሓደ ዓመት እኳ እንተቖፀሩ ክሳብ ሎሚ ኣወንታዊ ፍታሕ ክረኣኽቡ ብዘይምኽኣሎም ተቃውሞኦም ይቕፅሉ ከም ዘለው ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ሃረር ኣራተኛ መስጊድ ንዝተኻየደ ተቓውሞ ሕበረሰብ እስልምና፣ ብሓይሊ ብረት ንምጭፍላቕ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ናብቲ መስጊድ ጢሒሶም ብምእታው ነቲ ምእንቲ ነፃነቱን መሰሉን ድምፁ ጥራሕ ንዘስምዕ ዝነበረ ህዝቢ፤ ኣብ ዝሰባሰበሉ ዝነበረ እዋን ሓንቲ ንፅህቲ ዜጋ ብጥይት ተወቂዓ ከም ዝተቀተለት ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።