Monday, April 22, 2013

ህዝቢ ከተማ ሑመራን ከባቢኣን ብሰንኪ ሕፅረት መጓዓዝያን ካልኦት ማሕበርዊ ግልጋሎትን ብዘይምርካቡ ኣብ ፀገም ከም ዝርከብ ነበርቲ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣




ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ  ወረዳ ቃፍታ ሑመራን ነበርቲ ከተማ ሑመራን ከባቢኣን ብስንኪ ሕፅረት መጓዓዝያ ካብን ናብን ተመላሊሶም ዕለታዊ መነባብሮኦም ክደፍኡ ከም ዘይከኣሉ ድሕሪ ምግላፅ። ብፍላይ ከዓ ብሰንኪ ፍታሕ ዝተሰኣኖ ሕፅረት መብራህትን ኔት-ዎርክን ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ዝግባእ መዓልታዊ ሓበሬታ ረኺቦም ትካላቶም ብጉቡእ ክመርሑን ከንቀሳቕሱን ብዘይምኽኣሎም ንኽሳራ ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ መረረቶም ኣስሚዖም፣

     ኣስዒቦም እዞም ነበርቲ ኣብ’ታ ከተማ ዘሎ ዓመታት ዘቑፀረ ሕፅረት ፅሩይ ዝሰተ ማይ ፍታሕ ንኽግበረሎም ብተደጋጋሚ ጥርዓን ከቕርቡኳ እንተፀንሑ። ሰበ-ስልጣን ወያነ ግና ንሕቶ ህዝቢ ፀማም እዝኒ ሂቦም ከም ዘይምልከቶም ስቕታ ብምምራፆም ብርክት ዝበሉ ሽማግለታት ዝርከብዎም ህፃናት ብፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ግዳይ ዝተፋላለዩ ሕማማት ሞትን ይኾኑ ምህላዎም ገሊፆም፣