Sunday, April 28, 2013

ስበ ስልጣን መንግስቲ ተመለስቲ ኣምሓራ መሬትካ ክጎብጡዃ ይመፁ ኣለዉ ብዝብል ንተወለድቲ ቤንሻንጉል ይሰብክዎም የለዓዕልዎምን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣

ናብ ቤንሻንጉል ዝምለሱ ዘለዉ ነበርቲ ክልል ቤንሻንጉል ዝነበሩ ተወለድቲ አምሓራ ኣብ ዝኸፍአ  ኩነታት ከም ዝርከቡን ኣካላት ምምሕዳር መንግስቲ ንተመለስቲ ብሄር አምሓራ ክግለሉ ብምግባር ብተዘዋዋሪ መነገዲ ተመሊሶም ኣብ መነብሪኦም ከይሰፍሩ ዝከኣሎም ይገብሩ ከም ዘለዉ ንጋዜጣ ፍኖተ-ነፃነት ብምጥቃስ ዘ-ሃበሻ ኣብ ዘስፍሮ ሓበሬታ ገሊፁ፣

ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ  ተፈናቒሎም ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላምን ካልኦት ከባቢታትን ተበቲኖም ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ናይ ቅድም መነብሪኦም ዝምለሱ ዘለዉ ተወለድቲ ክልል ኣማራ ክሳብ ሕዚ ሕርሻ ከም ዘይጀመሩ አረዲኡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

ከም ዉፅኢቱ ከዓ ተወለድቲ ቤንሻንጉል ንተመለስቲ ብሄር ኣምሓራ ንኸየፀግዕዎምን ናይ ሕርሻ መሬት ከይትንክፉን ክቋፃፀርዎም ከም ዘለዎም ብኣካላት ምምሕዳር ብዝተገብረሎም ጎስጓስ መሰረት። ምስቶም ተወለድቲ ቤንሻንጉል ተፈናፊኖም ኣብ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ እቶም ግዳያት ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊፆም፣
ኣብ መወዳእታ እቶም ተፈናቐልቲ። ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ጠጠው ከብልን ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዝመሰሉ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ሰርሑ ናይ ምንባር መሰሉ ክኽበረሉ ከም ዝተማሕፀኑ እቲ ጋዜጣዊ ፀብፃብ ዘስፈረ ሓበሬታ የረድእ፣