Sunday, April 28, 2013

ኣብ ዉሽጢ ፖሊስ ብሰንኪ ተፈጢሩ ጉጅለኣዊ ዝወለዶ ቅርሕንቲ ነሕድ ሕዶም ክሰማምዑን ክተኣማመኑን ከም ዘይከኣሉ ካብ ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ትግራይ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት‘ቲ ሓበሬታ ብሰንኪ ግዕዙይ ኣሰራርሓን ምሕደራን ፖሊስ ክልል ትግራይ ንዓመታት ሱር ሰዲዱ ዝፀንሐ ምጉጅጃል ነንባዕሎም ዘይምስምማዕን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በፂሑ ንህልዉና ስልጣኖም ሓሊኹ ከዉድቖም ምስ በለ። ካብ ኣዘዝቲ ወረዳ  ክሳብ ሓለፍቲ ክልል ዝተረኸብሉ ሽማዊ ገምጋም ካብ 21 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ከተማ መቐለ የካይዱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣

   ሰበስልጣን ስርዓት ወያነ እቲ ኣብ ዉሽጢ ፖሊስ ዘሎ ዘይምቅድዳዉ ኣብ ልዕሊ መላእ ተገልጋሊ ሕብረተሰብ ከቢድ ሃሰያ ከዉርድ ዝፀንሐ እንትኾን። ህዝቢ ነቲ ካብ ፖሊስ ዝሰኣኖ ፍትሓዊ ኣልግሎት ምትዕርራይ ክግበረሉ ብተደጋጋሚ ሓቲቱ ቆላሕታ ዘይገብርሉ ፀኒሖም።  ሕዚ ገምጋም ምክያዶም ነቲ ህዝቢ ፈንፊንዎ ዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብፖሊስ ፀጋጊናካ መዉዓሊ መሕደሪ ምግባር ከም ሓደ ፍታሕ ዝተወሰደ ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣

   ከም ዝፍለጥ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ተፈጢሩ ብዘሎ ዘይምርድዳእ ኣባላት ፖሊስ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ኣብ ዝሓለፈ ዜና ዝገለፅና እንትንከውን ከምኡ’ዉን ኣብ  ራያ ዓዘቦ፤ ሞኾኒ፤ ኣላማጣ ሽረን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝቢ ገዛውትን ንብረትን ህዝቢ ብመንግስቲ ዝተኻየደ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ገለ ኣባላት ፖሊስ ተቓውሞ  ኣልዒሎም ምንባሮም ይዝከር፣