Sunday, April 28, 2013

ኣብ ከተማ ወልድያ መማህራን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብኣመንቲ እስልምና ተበጊሱ ብሓያል ናህሪ ዝቕፅል ዘሎ ሕቶ መሰል። ሓደ ናይ ካልኣይ ብርኪ መምህር ዓብደላ ዝተበሃለ ዝርከቦም ምስ ሓደ ዓቃቢ ንብረት ልዕሊ 10 ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብዕጡቛት ወያነ-ኢህወዴግ ከም ዝተኣስሩ ተገሊፁ፣
  እዚ ብዘይ ጭቡጥ ምኽንያት ብጅምላ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ዕለታዊ ተግባር ዕጡቛት ኢህወዴግ ኮይኑ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ቤተሰብ እዞም ግዳያት ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይዶም ምኽንያት መእሰሪ ደቆም ኣብ ዝሓተትሉ እዋን። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞ ከልዕል ጎስጊሶም ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምላሽ ከም ዝሃብዎም። እቶም ስድራ እሱራት ኣረዲኦም፣
   ሰበ-ስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ ብማሕበረ-ሰብ ኣመንቲ እስልምና ዝተመርፁ ኣባላት ኮሚቴ በቲ ስርዓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደጒኖም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ይፍለጥ፣