Wednesday, April 24, 2013

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ክብሪ መነባብሮ ንምዉፃእ ይኹን ብሓፈሻ ፀገም ኢኮኖሚ ንምቕራፍ። መንግስቲ ህዝቢ ዘሳተፈ ስርዓት ክተክል እንተኽእል ጥራይ ምዃኑ ኣብ ሙረይ ስቴት ናይ ዩንቨርሲቲ መምህር ኢኮኖሚክስ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ሰኢድ ሓሰን ገሊፆም፣



እቶም ፕሮፌሰር ኣብዚ ሰሙን ንኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ሚድያታት ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ ከም ዝበልዎ። ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ነቲ ኢኮኖሚ ብላዕለዋይነት ምቁፅፃሩ ሐደ ቁልፊ ፀገም ኮይኑ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ መንግስቲ ተፀጊዖም ዝርከቡ ናይ መንግስትን ናይ ገዛኢ ዉድብን ኩባንያታት ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ  ተቖፃፅረሞ ክሳብ ዘለዉ እዋን። ኣብታ ሃገር ዝፀንሐን ኣጋጢሙ ዘሎን ፀገም ኢኮኖሚ ክፍታሕ እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ምዃኑ ኣረዲኦም፣
ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ መቋረፂ ዘይብሉ ክብሪ መነባብሮ ምስ ሕፅረት ቀረበ ተኣሳሲሩ ዝመፀ ምዃኑ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ሰኢድ። ዝተወሰነ ለዉጢ ኣሎ ክበሃል ዝኽእል ብወገን ኣገልግሎት እንተዘይ ኮይኑ። ኣብቶም ዓንዲ ሕቘ ህላወ ሃገር ዝኾኑ ሕርሻን ኢንዲስትሪን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዕቤት ኣይመፀን ኣተራእየን ክብሉ ኣገንዚቦም፣
 ብተወሳኺ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓዉዲ ሕርሻ ዕቤት ዘይተመዝገበሉ ምኽንያት ነቲ ዝፀንሐ ድሑር ኣሰራርሓን ኣጠቓቕማን መሬት ዝልዉጥ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ክፈሪ ብዘይምግባሩ በቲ ሓደ። በቲ ካልእ ወገን ከዓ ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈረ ዜጋ እኹል ናይ ሕርሻ መሬት ከይረኸቡ ንወፃእተኛታት ኣዉፈርቲ ቅድሚያ ሂቡ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ስቡሕ መሸጣ መሬት ጠጠዉ ኣቢሉ ኣንፈቱ ናብ ዜጋታቱ ክቕይር ዘይምእኽኣሉ ምኳኑ ኣረዲኦም፣
ፕሮፌስር ሰኢድ ሓሰን ኣብ መወዳእታ። ኢትዮጵያ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ድኽነት ክትላቐቕ እንተኾይና። ቅድሚ ዝኾነ መጀምርያ ለዉጢ ፖሊሲ ከም ዘድልን። ብፍላይ ከዓ ብሰፊሑ ኣብ ሰበ ስልጣን ተዘርጉሑ ዘሎ ሙስና ንምቁፅፃር እንተዘይ ተኻኢሉ። ቀፃሊ ህልዉና ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣስጋእን ሓደገኛ ምዃኑን ብምግላፅ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለኣለም እናማረረ ክነብር ዘይኮነስ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዘጋጠመ እቲ መረረት ሓደ መዓልቲ ነቲጉ ተኣምር ክስርሕ ከም ዝእኽል ኣቐድሙ ክሕሰበሉ ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም፣