Wednesday, April 24, 2013

ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ክበፅሕ ዝፀነሐ ካብ መረበቶም ናይ ምብራር መስርሕ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ዝፈፀምዎ እምበር መንግስቲ ኣይፈልጦን ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ስርዓት ነቲ ምስሉይ ቤት ምኽሪ ምላሽ ምሃቡ ንብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዘስደመመ ተሓብሩ፣


ቀዳማይ ሚኒስተር ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ሃይለማርያም ደሳለኝ ትማሊ 15 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም ፀብፃብ 8 ወርሒ ኣፈፃፅማ ስራሕ  ድሕሪ ምቕራቡ ብኣባላት ቤት ምኽሪ ካብ ዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ። ንሱ  ዝዛረቦ ዝነበረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣብ ባይታ ዘየለው ብመደናግርቲ ቃላት ኣፀባብቑ ከቕርብ እኳ እንተፈተነ። ብፍላይ ብዛዕባ ምፍንቓል ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዝተዛረቦ ሓሳብ ንቡዝሓት ተዓዘብቲ ከም ዘገረመ ንፍላጥ ተኻኢሉ፣
ክሕደትን ጥልመትን መግለፂ ባህሪ ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ምዃኑ ንማምን ዜጋ ሓዱሽ እኳ እንተዘይ ኮነ። እዚ ምስ ዕድመ ስልጣኖም ማዕረ ማዕረ ከሰጉምዎ ዝፀንሑ ናይ ምድንጋር ተግባሮም ሃይለማርያም ደሳለኝ እዉን ብግዱኡ ኣብ ልዕሊ 15 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ዝኾኑ ተወልድቲ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ብምዃኖም ካብ ክልል ቤንሻንጉል ብዘይ ዝኾነ ዉሕስነት ዘይብሉ ጉዕዞ ንብረቶም ሃፍቶም ተመንጢሎምን ዓመታት ካብ ዝሃነፅዎ መረበቶም ዘባባረርዎም ስበ ስልጣን እቲ ከባብ እምበር ፌዴራል መንግስቲ ኢድ የብሉን ኣይፈልጦን ክብል መልሲ ነቲ ምስሉይ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃበሉ ሰዓት ብሚድያታት ዝተዓዘቡ ምሁራትን ግዱሳት ወገናት ከም ዘቖጠዐ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፣
ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ንዓመታት ክነብሩ ዝፀንሑ ተወልድቲ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ብምዃኖም ነቲ ከባቢ ክለቁ ኣብ ዝተገብረሉ። ዝኾነ ይኹን ንብረት ከይሓዙ ክወፁ ዘገደድዎም ብኣፍልጦ ጠቕላይ ሚኒስተር ዝተዋፈሩ ፌዴራል ፖሊስን መከላከያ ሰራዊትን እናተሃደኑ ክፈናቐሉ ጌሩ እናሃለወ። ንሕና ኣይንፈልጦን  ምባሉ በቲ ባዕሉ እናፈለጠ ዝፈፀሞ ዜጋታት ኣብ ዝመሰሎም ቦታ ናይ ምንባር ዘፍቅድ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ብምጣሓሱን ኣብ ልዕሊ እቶም ንፁሃት ዜጋታት ከም ሰዓቤኑ ኣብ ልዕሊ ተፈናቐልቲ ዝበፀሐ ጉድኣት ብዘርኢ ምጥፋእ ከይሕተትን ካብዚ ንምህዳም ዝተጠቐመሉ ንማንም ክእምን ዘይኽእል ግዝይኡ ዝሓለፎ ፍሹል ሜላ ምዃኑ እቶም ብዜጋታቶም ዝግደሱ ወገናት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዕዳጋታት ዘይምርግጋእን ቅልዉላዉን ዋላ ይሃሉ። ኢኮኖሚ ሃገርና ብ10.5 ሚኢታዊ ይዓቢ ኣሎ እቶም ነዚ ዝቃወሙን ዘቕበልዎን ከም ሁማን ራይት ዋች ዝበሉ ትካላት ዓለም ምሳና ብርዮኦት ኣለም ስለ ዘይንቃዶ እዮም ብምባል ንዉሽጣዊ ዉድቀቱክሽፍን ምፍታኑ ዘሕዝን እዩ ክብሉ እቶም ተዓዘብቲ ገሊፆም፣