Sunday, April 28, 2013

ኣብ ቤንች ማጂ ብሰንኪ ዝተላዓለ ግጭት ሰልስተ ተማሃሮ ከም ዝቖሰሉ ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣



ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ቤንች ማጂ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርት ሚዛን 2 ደረጃን መሰናድኦን ብዝተወለዐ ግጭት ሰለስተ ተማሃሮ ምቑሳሎምን ካብ 10 ሚያዚያ 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ትምህርቲ ምቁራፁን ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣

  ከም ኣገላልፃ እቶም ምንጭታት። እቲ ካብ 7ሚያዚያ 2005ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ መንጎ ተማሃሮ እታ ቤት ትምህርትን ኣካላት ምምሕዳርን ብዝተላዓለ ዘይምርድዳእ ዝወለዶ ከቢድ ረብሻ ዝተፈጠረ እንትኾን።  መበገሲ እቲ ረብሻ ከዓ ነታ ቤት ትምህርቲ ካብ አሜሪካ ንዝተዋሃበ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንምፍላይ። ኣብ መንጎ 12 ክፍሊ ተማሃሮ መሰናድኦ ኣብ ዝተገበረ ውድድር። ካብ ዉሽጢ ደቂ ኣንስትዮ  ተማሃሪት መድሃኒት እንትትስዕር፤ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ  ኣብ ፈለማ ተማሃራይ ጌታመሳይ ስዒሩ ድሕሪ ምርቁሑ ብዝተገበረ ናይ ውፅኢት ምፅራይ። ዳግም ተማሃራይ ዮሃንስ ከም ዝሓለፈ ስለ ዝተለጠፈ ምዃኑ ተፈሊጡ፣

   ነዚ ሲዒቡ ብፍላይ ናይ’ቲ ውድድር ኣዳላዊ ኮሚቴ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮ ተማሃሮ  ዮሃንስን ጌታመሳይን ኣብ ውፂኢት ኣሰራርሓ ጌጋ ብምህላው። ኣብ መንጎ እቶም ተማሃሮን ምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርትን ከምኡ‘ውን ምስ መምህራን ብዝተፈጠረ  ዘይምርድዳእ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምቁራፁ ተፈሊጡ፣

   ኣብ መወዳእታ’ውን ብዝተገበረ ምፅራይ ውፅኢት መሰረት ድማ በቲ ውድድር ዝሓለፈ ተማሃራይ ዮሃንስ ዝሓለፈ እንትኾን። ምስ’ቲ ረብሻ ዝተኣሳሰረ 11 ሚያዚያ 2005 / ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ትምህርቲ ተኹሲ ከም ዝተኸፈተን። ብዝተፈጠረ ግጭት’ውን ሰለስተ ተማሃሮ ቆሲሎም ናብ ሕክምና ከም ዝተወሰዱ ብናይ ዓይኒ መሰካኽር ዝተረጋገፀ ኮይኑ።  ክሳብ ሕዚ እቲ ቤት ትምህርቲ’ውን ብፌዴራል ፖሊስ ተኸቢቡ ከም ዝርከብ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣