Sunday, April 28, 2013

ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣንፃር ስርዓት ኢህወዴግ ዝዓለመ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም፣



ኣብ’ዚ ቅንያት ካብ ዝተፈላልዩ ከባቢታት ሃገረ እንግሊዝ ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘካየድዎ ሰላምዊ ሰልፊ። መራሕቲ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ሰብኣዊ መሰል ህዝብታት ብምጥሓስ ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝን ካልኦት ከባቢታትን ሃገርና ክነብሩ ዝፀንሑ ተወልድቲ ኣምሓራ። ንብረቶምን ጥሪቶምን ተመንዚዖም ካብ መንበሪ ገዝኦም ናይ ምፍንቓል ተግባር ዝካየድ ዘሎ ኢ-ሰባኣዊ ፍፃመ ንምኹናን ሓያል ተቓውሞ ኣብ ፊት ንፊት ቤት ፅሕፈት ፓርላማ እንግሊዝ ከም ዘካየዱ ተገሊፁ፣
  ብተመሳሳሊ ኣብ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ዲሲ ዝቕመጡ ኢትዮጵያውያን 12 ሚያዝያ 2005 ዓ/ም ኣብ ፊት ንፊት ባንክ ዓለም ኣንፃር ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዘቕነዐ ሓያል ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ እንትኾኑ።  ዕላማ እቲ ሰልፊ ድማ ባንክ ዓለም ንመራሕቲ ወያነ-ኢህወዴግ ዝህቦ ዘሎ ሓገዝ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ስለ ዘየውዕሎ ዘሎ ምኳኑን ብኣንፃሩ ነቲ ህዝቢ ንምግፋዕን ኣብ ዉልቃዊ ረብሓታት ሰበ ስልጣን የወዕልዎ  ከም ዘለዉ ንምቕላዕ ከምዝኾነ ተፈሊጡ፣
 እቲ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ንመራሕቲ ወያነ-ኢህወዴግ ምሃብ ብቐጠታ ናብ ኢድ ህዝቢ ክኣትወሉ ዝኽእለሉ  መንገዲ ክፍጠር ይግባእ። እንተዘይ ኮይኑ ግና እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ክቋረፅ ከም ዝግብኦ ዝጠልብ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ፣
   እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መራሕቲ ወያነ-ኢህወዴግ ኣብ ኖርወይ ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንግድብ ኣባይ ገንዘብ ንኸዋፅእ ዝገበርዎ መፀዋዕታ ብህዝቢ ሓያል ተቓውሞ ከም ዝገጠሞም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣብ’ቲ ኣዳራሽ ዝተኣከበ  ህዝቢ መራሕቲ ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ካብ ዝወፁ ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘብፅሕዎ ግፍዕታት ከም ዝኾነንዎ ተገሊፁ፣
  ኣብ መወዳእታ እዞም ተኣከብቲ መሰል ህዝቢ እናዓፈንካ ዝካየድ ልምዓት የለን ብምባል። ነቲ ዝቐረበሎም ናይ ክፍሊት ገንዘብ ከም ዝነፀግዎ ድማ ተፈሊጡ፣