Wednesday, April 3, 2013

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣፈፃፅማ ፖሊሲ ስርዓት ወያነ እምነት ብምስኣኖም። ንግድብ ኣባይ ክዋፅእዎ ቃል ኣትዮሞ ዝነበረ ገንዘብ ከም ዘቋረፅዎ ተፍሊጡ፣



ኣብዚ ቅንያት ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ። እዞም ዜጋታት ክዋፅእዎ መዲቦሞ ዝነበሩ ገንዘብ ከቋርፅዎ  ዘለዓዕሎም ቀንዲ ምኽንያት። ነቲ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዘሎ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣብ ግምት ዘይእተወ ፖሊሲ ኣብ ክንዲ ብገንዘብ ከተባብዕዎ ክቃወምዎ ከም ዝወሰኑ እንትኾኑ።  ብመሰረት ዉሳኒኦም ናይ ተቓውምኦም መገለፂ ኣኼባ ከም ዘካየዱ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
  ነቲ ኣንፃር ብልሹዉ ፖሊሲ ስርዓት ወያነ ተቓዉሞ ዘጋጠመሉ  ኣኼባ መእከቢ ኣድራሽ ልኡዃት ሰበ ስልጣን ወያነ  ብኽቡር ዋጋ  ዝተኻረይዎ እኳ እንትኾነ። ተኣካብቲ ንልኡዃት ስርዓት ወያነ ኣባሪሮም ኣንፃር ምሕደራ  ወያነ ዝምልከት ጎስጓስ ከም ዘካየዱ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
  ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ኣኼባ ካብ ዝተረኸቡ ኢትዮጵያዊ ኣይተ ሙሉጌታ ፈለቀ  ንኩነታት ናይቲ ኣኼባ  ኣመልኪቶም ከም ዝገለፅዎ። ነቲ ዝዋፃእ ገንዘብ ክቕበሉ ዝመፁ ኮራኹር ሰበስልጣን ወያነ በቲ ዝገጠሞም ሃንደበታዊ ተቓውሞ ዝተደናገፁ ኮይኖም። ኣብ ርእስኦም ጉድኣት ከይወርዶም ተኸዊሎም ነቲ ኣዳራሽ ገዲፎምም ከም ዝወፁን። እቲ ተኣካቢ ህዝቢ ከዓ ናይ ተቓዉሞ ኣኼብኡ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ተፈሊጡ፣