Wednesday, April 3, 2013

ተማሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ሃገርና ኣባላት ኢህወዴግ ክኾኑ ብዝግበረሎም ዘሎ ተደጋጋሚ ጎስጓስ ስሩዕ ትምህርቶም ኣብ ምክታትል ከም ዝተፀገሙ ተፈሊጡ፣



መምህራን ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ኣገዲዱ አባላት ፓርቲ እናገበረ ኣጠሚቕዎም ዘሎ ኢህወዴግ።  ሕዚ ድማ ብአካላዊ ቅርፆም ዕብይ ንዝበሉ ብዕድመ ዘይበሰሉ ተማሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ብካድረታት ኢህወዴግ ናይ አባልነት ፎርም ክመልኡ እናተገብረ ከም ዘሎ እቲ ዝወፀ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
 ተማሃሮ ብወገን ጠርነፍቲ መምህራን እናተመልመሉ ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣብ’ዚ ሰሙን ኣብ አዲስ አበባ ዝርከባ መላእ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝማሃሩ ተማሃሮ። ኣብ ዝተዋሃበ ናይ ፍርቂ ማዓልቲ መረዳድኢ ስልጠና ብምክያድ 50 ብር መዓልታዊ ኣበል  ከፊሉ ናይ ኣባልነት ፎርም ከመልኡ ዝተገበረ ኮይኑ። ሓሙሽተ ብሓሙሽተ ኣባላት ኮሚቴ ከካብ ቤት ትምህርቱ ዝተመረፁ እንትኾኑ። ካድረታት ኢህወዴግ ብቐጠታ ነዞም ተማሃሮ መምርሒ ከም ዘዉርድሎም ምዃኖም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። ‹‹ንተማሃራይ ንስኻ ኣባል ኢህወዴግ ምዃንካ ፍለጥ፤ ኣብ ዝመፅእ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝካየድ ናይ ሙሉእ ማዓልቲ ስልጠና ኣብ ቤት ትምህርቲ ልክዕ ንጎሆ ሰዓት 2።30 ክትርከብ ብኣኽብሮት ተዓዲምካ ኣለኻ›› ዝብል ወረቐት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ተለጢፉ ከም ዝርከብ ምስ ገለፀ። ንስልጠና ዝተመረፁ ተማሃሮ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ስም ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ኣስማት ፎርሚ ብቢሮ ተመሊኡ ከም ዘሎን። ኣብ ክልቲኡ ናይ ስልጠና መዓልቲ ድማ መዓልታዊ ንሕድ ሕድ ሰልጣኒ ሚኢቲ ብር ክኽፈሎም ምዃኑ በቶም ጠርነፍቶም ብቓል ከም ዝተነገሮም እቶም ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ተማሃሮ ንሚድያታት ኣረዲኦም፣
   ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ ታሽዓይ ውድባዊ ጉባኤ ኢህወዴግ ሓደ ሓደ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ሰባት ንምምልማል ዝጠቐምሉ ሜላ ንሓቀኛ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ዝፈልጥ ተቓላሳይ ይትረፍ ነቲ ምንም ኣፍልጦ ፖለቲካ ዘይብሉ ሲቪል ሪሂፀ ዝበልዕ‘ዉን ዘፍርሕ ብምንባሩ እንደገና ክረአ ብምሕትት፤ ኢህወዴግ ኣብ መላእ ሃገር 6 ሚሊዮን አባላት ከም ዘለውዎ ብተደጋጋሚ ይምድር እኳ እንተኾነ። እቲ ኣመላምላ ኣባላት ግን ብድሌት ዘይኮነስ ብግዴታን ብጥቕማጥቕሚ እናደለልካን ከም ዝኾነ ወሲኾም ኣገንዚቦም፣