Sunday, April 28, 2013

ኣብ ሃገረ ነርወይ ከተማ ስታቫንጋር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን መሰል ህዝብና እናተደፍረ ብሽም ግድብ ኣባይ ገንዘብ ኣይነዋፅእን ክብሉ ተቓውሞኦም ከም ዘስምዕ ተሓቢሩ፣



ካብ ከተማ ኦስሎ ኣስታት 700 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ስታቫንጋር ከባቢኣን ዝቕመጡ ኢትዮጵያውያን። ብመራሕቲ  ወያነ-ኢህወኤግ ዝቐረበሎም ናይ ቦንድ ዕድጊት ዝነፀግዎ ኮይኖም። ምኽንያት ዘይመቐበልኦም ከዓ መሰል ዜጋታት ብዘይምቁራፅ እናተደፍረ ዝመፅእ ልምዓት የለን ብምባል ንፃውዒት እቲ ስርዓት ብምንፃግ  ከም ዝተቓወሙዎ ተአሊጡ፣

   ኣብቲ ሉኡኻት ኢህወዴግ ገንዘብ ንምዉፃእ ዝተኻረይዎ ኣዳራሽ ዝተኣከበ ህዝቢ። ግዱሳት ወገናት ነቲ ኣኼባ ኣንፈቱ ቀይሮም መራሕቲ ወያነ-ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ካብ ዝወፁ ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከብፅሕዎ ዝፀንሑ ግፍዕታት ብምዝርዛር ከም ዝኾነንዎም  እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

         እቶም ገንዘብ ክእክቡ ዝተለኣኹ ኮራኹር ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ በቲ ዘይሓሰብዎ ህዝባዊ ተቓውሞ ተደናጊፆም ካብቲ ኣዳራሽ እንትሃድሙ። እቲ ተኣካቢ ህዝቢ ግና ካብ ሕዚ ንደሓር ገንዘብ ዘዋፅእ ከም ዘየልን ኣንፃር  ግፍዐኛታት መራሕቲ ኢህወዴግ ደው ከም ዝብሉን ክሳብ ካብ ስልጣን ዝእለዩ ቃልሶም ኣህይሎም ከም ዝቕፅልሉ ምግላፆም ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣