Wednesday, May 1, 2013

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ዲላ ዝነብር ህዝቢ ብሰንኪ ምጥፋእ መብራህትን ማይን ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ ተገሊፁ፣



እዞም ግዳያት ከም ዝገለፅዎ ኣብ’ታ ከተማ ንሽሙ ተዘርጊሑ ዝርከብ ገመድን ኣዕንዱ ኤሌክትሪክን ኣገልግሎት መብራህቲ ካብ ዝህብ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ብምዃኑ፣ ድሕሪ ምጥፍኡ ንሽሙ መፅዩ ኣብ ዝተበሃለሉ እዋን ምሉእ ሓይሊ ስለ ዘይሰድድ ናይ ተገልገልቲ ኤሌክትሮኒክ ኣቁሑትን ካልኦት ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ኣቁሕትን ኣደዳ ምቅፃል ይኸዉን ብምህላዉ ክሳራ ኣብ ልዕሊ ክሳራ ይኾኑ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
  ብተወሳኺ እዞም ወገናት ጉዳይ ማይ እታ ከተማ ድማ እቲ ዝዓበየ ፀገም ኮይኑ እኳ እንተሃለወ መንግስቲ ዝኾነ ፍታሕ ክገብረሎም ከም ዘይካኣለን ብምግላፅ። ኣብ ገለ መዓልቲ ዕደላ እንትገብሩ ድማ ብወገንነት ከም ዘካይድዎን። ህዝቢ ተፀጊሙ ፅሬት ከብ ዘይብሉ ዋሓይዚ ማይ ብምቕዳሕ ይጥቀም ስለ ዘሎ ንኣደዳ ማይ ወለድ ሕማማት ተቓሊዑ ከም ዝርከብ ኣብሪሆም፣
  እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ’ታ ከተማ ይንፀፍ ኣሎ ዝባሃል ኮብልስቶን ሰርሕና ንመበሊ ጥራይ እንተዘይ ኮይኑ ብዘይ ስሩዕ ክእላዊ መፅናዕትን ኣገባብ ብዘይብሉን መልክዕ ናይታ ከተማ ብዘባላሹ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ወሲኾም ገሊፆም፣