Wednesday, May 1, 2013

ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ኣብ ንግዲ መዳበርያ ድኹዒ ተዋፊሩ ንሓረስታይ ህዝብና ኣገዲዱ ብምሃብ ኣብ ዘይወፅኦ ዕዳ የእትዎ ከም ዘሎ ነበርቲ ቃፍታ ሑመራን ራያ ዓዘቦን ገሊፆም፣



ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ሓረስቶት መሰረት ብምግባር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ። ዘመን ኣምፅኦ መዳብርያ /ድኹዒ/ ኣበይ ቦታ? ኣብ ከመይ ዝበለ ናይ ኣየር ኩነታት ዉፅኢታዊ ፍረ ይህብ? ዘይኮነ ዘገድሶ ዘሎ። ኣብዚ ሕዚ ግዜ ዝኾነ ሕርሻ መሬት ዘለዎ ሓረስታይ ግድነት መዳበርያ ክወስድ ኣለዎ ኣይወስድን እንተይሉ ድማ ፀረ ፕሮግራም መንግስቲ ስለ ዝኾነ። ሕርሻ መሬቱ ተመንጢሉ መዳበሪያ ንዝወስድ ሰብ ክዕደል ኣለዎ ዝብል መምርሒ ኣብ ኣኼባ ስለ ዝተነገረ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ኣብ ዓብዪ ቅልዉላዉ ወዲቖም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣

እቶም ሓረስቶት ስዒቦም። ከባቢ ሑመራ ኣዚዩ ሙቖት ብምዃኑ መደባርያ ልዕሊ ከስቡ ግዱኣቱ ስለ ዝዛይድ። ሓረስታይ ነታ መነባብርኡ እንታይ የዋፅኦ፤ ብኸመይ ይመርሓን? ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ዝግደሰላ ባዕሉ ብምዃኑ ንባዕሉ ክግደፍ ይግባእ ምስ በሉ። እንተኾነ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ካድረታቱ ፈቐዶ ጣብያ ኣዋፊሩ ዝኾነ ሓረስታይ ብመንግስቲ ዝቐረበ መዳበርያ ክገዝእ ኣለዎ ብዝብል ትእዛዝ ብዝተዓፃፀፈ ዋጋ እናሸጠ ናይ ባዕሉ መኽሰብ ብምድላብ  ነቲ ምስኪን ሓረስታይ ኣብ ዘይወፅኦ ዓዘቕቲ ድኽነት ክወድቕ ይገብር ኣሎ ክብሉ ኣገንዚቦም፣

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝነብሩ ሓረስቶት ከም ዝበልዎ። ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንሓረስታይ ስለ ዘይግደሱ ዓቕምና ከይፈለጡ ብመጠን ስፍሓት መሬትና ብሒሳብ ንሓደ ሄክታር ፀሊምን ፃዕዳን ክልተ ኲንታል መደባርያ ክዕድግ እዚ ኣይቅበልን ዝበለ ፀረ ልምዓት ተባሂሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክንቀፍ ብምግባር መሬቱ ተመንጢሉ ባዶ ክተርፍ ዝግበር ዘሎ ዉፅኢት ኣምባገነናዊ ኣካይዳ እቲ ስርዓት ምዃኑ ብምረት ገሊፆም፣

ልምዓት ዝመፅእ ህዝቢ እንትኣምን ጥራይ ምዃኑ ዘገንዘቡ ሓረስቶት ራያ ዓዘቦ። እቲ ሕዚ ብስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝካየድ ዘሎ ብሓይለ-መልጢ ዘቕረብናልኩም መዳብርያ ዉሳዱ ምባል። ንለዉጢ መነባብሮ ሓረስታይ ተደልዩ ዘይኮነስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ንባዕሎም ብሽም ልምዓት ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኽዕብቱ ካብ ዘለዎም ክቱር ሕርፋን ዝነቅል ስለ ዝኾነ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓረታይ ዝበፅሕ ጉድኣት ቆላሕታ ክገብርሉ ኣይከኣሉን ክብሉ ኣረዲኦም፣