Friday, May 3, 2013

ኣብ ወረዳ ጉራ-ፍርዳ ክነብሩ ዝፀንሑ ተወለድቲ ኣምሓራ ሕዚ እዉን ብመራሕቲ ስርዓት ወያነ ይፈናቐሉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣


ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት። ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተኻየደ ምፍንቓል ብዘይኣፍልጦ ፌዴራል መንግስቲ ዝተፈፀመ ጌጋ ኮይኑ። ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዝመረፆ ከባብታት ኢትዮጵያ ክነብር ሕገ መንግስቲ ስለ ዘፍቅደሉ። ካብ ሕዚ ንዳሓር ሓደ ሰብ ከይፈናቐል ኣብ ቅድሚ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ ኣብ ዘጠንቀቐሉ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ። ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ቤንች ማጂ ወረዳ ጉራ-ፍርዳ ክነብሩ ዝፀንሑ ልዕሊ 90 ተወለድቲ ኣምሓራ ካብቲ ክልል ክባረሩ ከም ዝተገብረ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
    እዞም ወገናት ከም ዝገለፅዎ። እቶም ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ብዝተቐነባበረ ወፍሪ ካብቲ ክነብርሉ ዝፀንሑ ከባቢ ለቒቖም ንኽወፁ ይግበር ከም ዘሎ ምስ ገለፁ። ቅድሚ ሕዚ ዝተባረሩ ወገናት ኣበይ ወዲቖም ኣዳርሽኦም ከይተፈለጠ። እቶም ኣብዚ ቅንያት ተባሪሮም ዘለዉ ዜጋታት‘ዉን ብተመሳሳሊ ናበይ ኣቢሎም ክሳብ ሕዚ ዝተፈለጠ ነገር ብዘይምህላዉ ኣበይ ከም ዝወደቁ ዘይተፈለጠ ኮይኑ። በቲ ስርዓት ካብቲ ከባቢ ናይ ምብራር ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዝረቐቐ ሜላ ክቕፅል ከም ዝኾነ እቶም ነበርቲ ዘለዎም እምነት ኣረዲኦም፣
  ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ስርዓት ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብቲ ምስሉይ ፓርላማ ቀሪቡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዝገብሮ ዘረባ። ካብ ሕዚ ንዳሓር ዝኾነ በዓል ስልጣን ሰባት ምስ ዘፈናቕል ተጠያቒ ክኸዉን እዩ ኢሉ ቅድሚ ምምዳሩ። ተወለድቲ ኣምሓራ ካብ ክነብርሉ ዝፀንሑ ክልላት ናይ ምስጓግ ተግባር ብዘርኢ ምጥፋእ ገበን ከም ዘሐትት። ብዓለም ለኸ ደረጃ ፍሉጥ በዓል ሞያ ሕጊ ዶ/ር ያእቆብ ሃይለማርያም ንሚድያታት ምዝራቦም ይፍለጥ፣
መደናገርቲ መራሕቲ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ወፍሪ ሓምለዋይ ልምዓት ሚኢቲ ዓመት ተግባራዊ ንምግባር። ቅድሚ ዝኾነ ኣፍሪካዊ ሃገር ተበጊስና መርኣያ ብምዃን ንሰርሕ ኣለና እናበሉ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዓለም ይምድሩ እኳ እንተኾኑ። ብተግባር ግና ናይ ባዕሎም ሓምላይ ዓለም ክፈጥሩስ ይትረፍ ነቲ ካብ ዉልድ ወለዶ ተዓቊሩ ዝፀነሐ ደኒ ሰሜን ተራራ ክዕቀቡ ዘይምኽኣሎም መርኣያ ፍሽሉ ፖሊሲኦም ምዃኑ የረድእ።