Friday, May 3, 2013

ኣብ ወረዳ መተማ ዝርከቡ ሓረስቶት ካብ መረበቶም ምፍንቓሎም ከይኣክል ዶብ ጥሒሶም ብዝብል ሰለስተ ሰባት ብስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ከም ዝተቐተሉ ተሓቢሩ፣



ኣብ ዞባ ሰሜን ጐንደር ኣብ ወረዳ መተማ ካብ ከተማ ዮሃንስ ንወገን ሰሜን “ደለሎ” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ። ንነዊሕ ዓመታት መሬት ተዋሂብዎም ሕጋዊ ግብሪ እንኸፈሉ ክነብሩ ዝፀንሑ ሓረስቶት። ከባቢኦም ገዲፎም ክኸዱ በቲ ወረዳ ውሳነ ምትሕልላፉን። ዶብ ኢትዮጵያ ጢሒሶም ብዝብል ሰለስተ ሓረስቶት ኣብ መሬቶም ብዕጡቓት ሱዳን ከም ዝተቐተሉን ሪፖርተር ዝተበሃለ ጋዜጣ ፀብፂቡ፣
  እቲ ጋዜጣ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ከም ዝገለፆ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ’ቲ ምስሉይ ፓርላማ ሪፖርት እንተቕርብ። ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዝተፈፀመ ምፍንቓል ብመንግስቲ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ድሕሪ ሕዚ ዝኾነ ዓይነት ምፍንቓል ከም ዘይህሉ ቃል ከም ዝኣተወ ዝፈለጥ ኮይኑ። ናይ’ቲ ክልልን አካባብ ሓለዋን ምምሕዳር መሬትን  ባዓል ስልጣን -ምስ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ እቶም ሓረስቶት ዝወሰድስዎ ካብ መረበቶምን ሕርሻ ቦተኦምን ምግባሮም አግባብ  ዘይምዃኑን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እዞም ግዳያት ሕርሻ መሬቶም ኣለሳሊሶም ንዘርኢ ድሉው ጌሮም እናተፀበዩ ኣብ ዝነበርሉ እዋን እቲ ውሳነ ምትሕልላፉ ተስፋ ዘቑርፅ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ፣
  ናይ’ቲ ክልል አካባቢ ባዓል ስልጣን አተሓሕዛ መሬት ብሎክ፤ ገባራትን -ሰብ-ሃፍትን ደረቶም ናይ ምፍላይ ስራሕ ብዝብል ምኽንያት። ቅድም ኢሉ ብጂፒኤስ ተለኪዑ ዝተዋሃቦም መሬት። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድሕሪ 15 ዓመታት ድሑር ዝኾነ ኣሰራርሓ ኣዳልዮም ብመልክዕ ወፈራ ብገመድ እናተለከዐ ከም ዝርከብን። እቶም ሰበ ስልጣን ዝጥቀምሉ ዘለዉ ባህላዊ ኣሰራርሓ። ነቶም ምምሕዳር ቅርበት ዘለዎም ሰባት ዝደለይዎ ተወሳኺ ቦታ ንኽረኽቡ ንኽመዓራረየሎም ይጥቀምሉ ዘለዉ ኮይኖም። ዓቕሚ ዘይብሎም፤ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ገባራትን ምስ ኣመራርሓ ቅርበት ዘይብሎም ሓረስቶትን በቲ ሕዚ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ድሑር ኣሰራርሓ ተጐዳእቲ  ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
  እቲ ብገመድ ምልካዕ ትኽክለኛ ዶብ ከቐምጥ ብዘይምኽኣሉ ሓልሓሊፉ ናብ ዶብ ሱዳን  ይኣትዉ ብምህላዉ።  ብወገን ሓረስቶት ሱዳን ቦትኦም ከይትንከፍ ምንቅስቓሳት ብምግባሮም እቲ ከባቢ ኣብ ዘይምርግጋእ ከም ዝርከብ እቲ ጋዜጣ ፀብፂቡ፣
ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ከተማ መተማ ዮሐንስ ንወገን ደቡብ  ቱመት-ቲያተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ናይ ኢንቨስትመንት ቦታ ሰለስተ ኢትዮጵያዉያን ሓረስቶት ብዕጡቛት ሱዳን ዝተቐተሉ ምስ ምልካዕ ዶብን ሕርሻ መሬትን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብምጥቃስ ንምምሕዳር እቲ ከባቢ ተሓታቲ እንትገብሩ። ምምሕዳር ወረዳ መተማ አቶ ተስፋ መኮንን ግና እቶም ብዕጡቛት  ሱዳን ተቐቲሎም ዝተባሃሉ ሓረስቶት ሓቂ ምዃኑ እኳ እንተረጋገፀ። ምኽንያት መቕተሊኦም ምስ ምልካዕ ዶብን ሕርሻን ዝተታሓሓዘ አይኮነን ክብል ምዝራቡ ተፈሊጡ፣
ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ስርዓት “ዳግም ምፍንቓል አይህሉን” ኢሉ መብፅዓ ኣብ ዝኣተወሉ ፅባሕ ነዚ ዜና ዘንበቡ ሰባት “እዚ ፍፃመ አቶ መለስ ድህሪ ምሕላፉ ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ ኢህወዴግ ምድምማፅን ምክብባርን ምጥፍኡ ዘመልክት ከም ዝኾነ ይድምድሙ፣