Friday, May 3, 2013

ዲፕሎማሰኛታት ወያነ ኢህወዴግ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ናብ ዝተፈላልዩ ሃገራት ይስደዱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣



ኣብ ዝተፈላልዩ ፀፍሕታት ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ብሓላፍነት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝፀንሑ ሰራሕተኛታት ዲፕሎማት እቲ ውድብ። እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብፀሖ ዘሎ ግፍዕታት ብምቅዋም ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ይስደዱ ከም ዘለውን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ኣብዚ ወርሒ ጥራይ 5 ዲፕሎማት ንዝተመደብዎ ስራሕ ራሕሪሖም ናብ ሃገረ ኣሜሪካ ምኻዶም ተፈሊጡ፣
   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። ኣብ ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኣማኻሪ ፖለቲካ ዝነበሩ ከም’ውን ሓላፊ ኢንስፐክሽን ዝነበሩ ክልተ ዲፕሎማት ንስርዓት ወያነ ተቓዊሞም ሃገረ ኣሜሪካ ዝኣተው እንትኾኑ። ከምኡ’ውን ኣብ ዱባይ ካዉንስል እቲ ስርዓት ብምኻን ንነዊሕ እዋናት ከገልግሉ ዝፀንሑ ዲፕሎማት ነቲ ዝተዋሃቦም ስራሕ ራሕሪሖም ኣሜሪካ ምእታዎም ገሊፁ፣
  ከም ዝፍለጥ መራሕቲ ወያነ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ብሽም ኣኼባ ናብ ዉሽጢ ሃገር ብምፅዋዕ ካብ ስረሖም ኣደስኪሉ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከይወፁ እገዳ ተገይርሎም ከም ዘሎ ይፍለጥ፣