Monday, May 6, 2013

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣጋሮ ዝርከቡ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ሕብረተሰብ ኣመንቲ እስልምና ብኢድ ኣታዉነት ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ክዕፆ ከም ዝተገበረ ተሓቢሩ፣



ብመስረት ሓበሬታ ነበርቲ ከተማ ኣጋሮ ኣብ ልዕሊኦም ብዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ኣማሪሮም ኣንፃር ስርዓት ኢህወዴግ ዝዓለመ ሓያል ተቓውሞ ከም ዘካየዱን በቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝሰግአ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ በቲ ሓደ ገፅ ናይተን  መሳጊድ ኮሜቴ ኢማማት ምብራሩን። በቲ ካልእ ገፅ ድማ ንኽልቲኦም ሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣገዲዱ ምዕፃዉ እቲ ስርዓት ኣብ ሃይማኖት ዝኽተሎ ዘሎ ሕገ መንግስታዊ መሰል ዝጠሓሰ ቅሉዕ ኢድ ኣታዉነት ዘግህድ ኮይኑ ከም ዘሎ ኣረዲኦም፣
    ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ሃገርናን ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ተኸተልቲ እምነት እስልማና። መሰልና ይተሓሎ፤ ድምፅና ይሰማዕ፤ ከምኡውን ብሽም ግብሪን ካልኦት መዋጮን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝዋፃእ ዘሎ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ብወልቀ መራሕቲ ወያነ-ኢህወዴግ ይጠፋፋእ ኣሎ ብምባል ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር፣