Thursday, October 3, 2013

ናብ ሃገር ሱዳን ብስደት ዝኽዱ ኢትዮጵያውያን ደገፍቲ ተቓወምቲ እናተበሃሉ ብተለኣኣኽቲ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ይጭወዩ ከም ዘለዉ ካብ ከተማ ካርቱም ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ።  ብሰንኪ ጉዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ወያነ ተማሪሮም ናብ ሃገረ ሱዳን ዝተሰደዱ ዜጋታትና ይጭወዩ ምህላዎም ነቲ ፍፃመ  ድማ ብገለ ገንዘብ ዝተዓሸዉ ኣባላት ፀጥታ እታ ሃገርን ምስ ሉኡኻት ወያነ ብሓባር ብምዃን ኢትዮጵያውያን ናብ ዝነብሩሉ ገዛውቲ ብምእታዉ። ኣባላት ዴምህት  እናበሉ   ዝጨወይዎም ክሳብ ሕዚ ሃለዋቶምን ኣድራሻኦምን  ዘይተፈልጡ  ወገናት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
       
     ካብቶም  ብገንዘብ ተዓሲቦም ተለኣኣኽቲ መጋበርያ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዜጋታትና ክብድል ዝፀነሐ ሓደ ንጉሰ ዝተበሃልን ካልእ መሓመድ ዝተበሃለ ኣብቲ እከይ ተግባር ብዝተዋፈር መቀባበልቲ ሓሶት ካብ ዝተጨውዩ ዜጋታትና ንምጥቃስ የማነ ፤ኣማን፤ ገሬ  ካልኦት ንግዝኡ ሽሞም ዘይተጠቐሱ ብርክት ዝበሉ ወገናትና ካብ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ከተማ ካርቱም ወሲዶም ከም ዘጥፍእዎም እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ  ወሲኹ ኣቃሊዑ፣

      ሰበስልጣን ወያነ ብዘይካ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ብኡ ኣቢሎም ድማ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ንምብራስ እንተዘይኮይኖም ራኢ ይኹን  ህዝባዊ ዕላማ ከም ዘይብሎም ካብቲ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ተደጋጋግሚ ግፍዕታት ምግንዛብ ከምዘይከኣሉ ብርክት ዝበሉ ወገናት ይገልፁ፣