ብመሰረት
ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕግርግርን ናብ ዓድና ኣሰናብቱና
ዝብሉ ሕቶታትን ምኽንያት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝረብሕ መጣየሲ ከይሃበ የባርሮም ብምህላዉ እቶም ኣብ ሰራዊት ኮይኖም ኣብ
ትግራይ ናብራ መስሪቶም ዝነበሩ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ዝኾኑ ወተሃደራት ኢህወዴግ ነበር ናብራ ክመርሑ ዓቕሚ ስለ ዝሰኣኑ ቆልዓ
ሰበይቶም ራሕሪሖም ናብ ትውልዲ ዓዶም ይኸዱ ብምህላዎም ስድረኦም ኣብ ፀገም ወዲቖም ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
እዚ
ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ንዓመታት ዝኣክል ዕድሜኦም መስዋእቲ ገይሮም ነቲ ስርዓት ከገልግሉ ዝፀንሑ ወተሃደራት ሞሳ ረሃፆም
ብዘይምርካቦም ካብ ሕሉፍ ዘይመሃር ጠላም ስርዓት ክብሉ መረረቶም
ይገልፁ ከም ዘለው እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ፣፣