ስርዓት
ወያነ ኢህወደግ ነቲ ብመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስእንዎ ዘሎ ተቐባልነት ዘይተአደነ ገንዘብ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን እናጓሕጎሐ ማእለያ
ዘይብሎም ዑሱባት ብምውፋር ህዝቢ ይዕፍን ከም ዘሎ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝበፅሑና ሓበሬታት አረዲኦም፣
ብመሰረት
እቶም ዝበፀሑና ሓበሬታ እዚ ተግባር አብ መላእ ሃገርና እኳ እንተኾነ ብፍላይ አብ ትግራይ ብዝሓየለ መልክዑ ዝስረሐሉ ዘሎ እንትኸውን
አብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ወልደገብሪኤል (ወልዴ) ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ሙሉን አብ ዓዲ ጎሹ ሓላፊ ድሕንነት ዝኾነ ካልአዩ ዝተባሃሉን
ካልኦት አብ መላእ ትግራይ ዘለው ማእለያ ዘይብሎም አባላት ድሕንነት እቲ ስርዓት ንህዝብና ዓፊኖም ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰፍ ዘይብል ግፍዕን በደላትን የብፅሑ ከም ዘለው እቶም
ምንጭታት ወሲኾም ሓቢሮም፣