Friday, November 1, 2013

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዉህደት ዘካየዱ ዉድባት ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይን ግንባር ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፍትሕን ማዕርነትን፣ ናይ ክልቲኦም ዉድብ ሰራዊት ኣብዚ ሰሙን እዚ ዕላዊ ምትሕዉዋስ ኣካይዶም፣






  እዞም ኣንፃር ግዕዘይ  ወያነ ተመሳሳሊ ዕላማ ሒዞም በበይኖም ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይዱ ዝፀንሑ ዉድባት፣ ድሒሩ ብዝመፀ ናይ ክልቲኦም ዉድባት  ምርድዳእን ሰናይ   ድሌትን እዮም   ክልቲኦም ዉድባት ሓደ ዉድብ ክኾኑ ኪኢሎም፣
 ኣንፃር ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ዘካይዳ ዘለዋ ዉድባት እዚ ተተግቢሩ ዘሎ ዉህደት ንፈልማ ግዜ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ክልቲኤን  ዉድባት ኣብ ሓድነት  ኢትዮጵያ ዝኣምና፣ ንስለ ፍትሕን ማዕርነትን ዉፁዕ  ህዝቢ ኢትዮጵያ ብትሪ ዝቃለሳ ናይ ዕላማ ኣፈላላይ ዘይብለን ኣብ ርእሲ ምኻነን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዉን ኣብ ልዕሊ  ፀረ ህዝቢ ዝኾነ  ስርዓት ወያነ ኢህወደግ  ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ወፍሪ ብምካያድ ክሳብ ብሓንሳብ መስዋእቲ ከምዝኸፈላ ዝፈለጥ እዩ፣
   ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ክልቲኤን ዉድባት ሰራዊት  ናይ ምዉህሃድ መስርሕ ክፍሊ ባህሊ ዓወት ንፁዓት   ኣብቲ ቦታ ተረኪባ ነቲ ዉህደት ዝምልከት ምድላዋትን ንብሄር ብሄረ ሰባት ሃገርና  ኢትዮጵያ ዝገልፁ ብዘተፈላለየ ቃንቃታት ዝተዳለዉ ደርፊታትን  መዘናግዒ መደባትን ኣቅሪባ፣
  ኣብቲ ዝተኻየደ ዉድህደትን ምዝንጋዕን  መላእ ሰራዊት  ክልቲኤን ዉድባት በቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ዝለዓለ ሓጎስ ከም ዝተሰመዖም ድሕሪ ምግላፅ። እዚ ብሰናይ ድሌት ኽልቲኤን ዉድባት ተፈፂሙ ዘሎ ዉህደት ነቶም ካልኦት በበይኖም ኮይኖም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ዉድባት  ኣብነት ክኾኖምን  ናብ ከምዚ ዝበለ ህዝብን ሃገርን ዝደልዮ ናይ ሓባር ዕላማ ብምሓዝ፣  ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣሚኖም  እንፃር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብምቅላስ ቅልጡፍ ለዉጢ ክመፅእ ኣበርቲዕም ክሰርሑ መእኽቶም ኣሕሊፎም፣