ኣብ ዞባ ማእከል
ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ዝርከብ ሆስፒታል ደቂ ሰበ ስልጣን
ስድረኦምን ብነፃ ጉቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እንትረኽቡ። ብኣንፃሩ ስድራ ሰውኣትን ንጉድኣት ኲናትን ግና ነፃ
ወረቐት ሒዞም ኣብ ዝኸድሉ ዋላ’ኳ ምርመራ እንተተገበረሎም መድሓኒት እናሃለወ የለን ኣብ ደገ ካብ ፋርማሲ ግዝኡ እናበሉ
መእዘዚ መድሓኒት ሂቦም ከም ዝመልስዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ዋጋ እቲ መድሓኒት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለ ዝኾኖም ስኣን መዕደጊ
መድሓኒት እቶም ወገናት ግዳይ ስቓይን ሞትን ይኾኑ ምህላዎም ተገሊፁ።
እቶም
ጉድኣት ኩናትን ስድራ ስዋኣትን ንይምሰል ብነፃ
ንኽሕከሙ ዘፍቕድ መምርሒ በቲ ስርዓት ዝወረደ ዋላ’ኳ እንተሃለወ። ኣብ ተግባር መፂእኻ ግና ብኣንፃሩ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ። ካብ’ቶም ጉድኣት ኵናት ሓደ ኣይተ ኣረጋይ ዝተበሃለ ናብ’ቲ ሆስፒታል
ክሕከም ኣብ ዝኸደሉ እዋን ነቲ የለን ዝተበሃሎ መድሓኒት ብመንገዲ ካልእ ሰብ እቲ የለን ዝተበሃለ መድሓኒት ዉስን ገንዘብ ሂቡ
ካብ’ቲ ሆስፒታል ክዕድግ ምኽኣሉ፣ ነቲ ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓ ንኽመዓራረ መርትዖ ብምሓዝ ሕጋዊ ክሲ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ንቐፃሊ
ክትግልገል እንተደሊኻ ብሽማግለ ተዓረቕ ብምባል እቲ ክሲ ክቋረፅ ከም ዝገብርዎ ንግዳያ መሰረት ጌሩ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እዚ ከምዚ ዓይነት ኣድልዎ ዝመልኦ ኣሰራርሓ ኣብ ሆስፒታል ኣኽሱም ጥራሕ ዘኮነስ ኣብ ምሉእ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ጉዕዙይ ኣካይዳ እቲ ስርዓት ምዃኑ ይፍለጥ።