ኣብ ክልል ኣምሓራ
ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ካብ
ዘለዉ እሱራት እቶም ልዕሊ 1,500 ኣብ ኣስገዳድ ጉልበት ስራሕ ንምስራሕ ብ30 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ካብ ፍኖተ ሰላም ናብ
ባህርዳር ኣብ ዝወስድ ፅርግያ ብእግሮም እናተጓዓዙ እንከለዉ። ፍሉይ ቦታ ቀበሌ 01 ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ምስ በፅሑ ብናህሪ
እናተሽከርከረት ብዝመፀት መኪና ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረዶም ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እታ መኪና ኣብ
ልዕሊ እቶም እሱራት ብዘብፅሓቶ ሓደጋ ሰለስተ እሱራት ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም እንትስእኑ ካልኦት ቁፅሮም ብንፁር ዘይተፈለጡ
ብርክት ዝበሉ እሱራት ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ከም ዝበፅሖም ተገሊፁ ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ
ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ዳሞት ካብ ዝርከባ 33 ቀበሌታት
ዝተዉፃእፅኡ ኣስታት 330 ዝኾኑ ሓረስቶት። ምንቅስቓስ ኣሸበርቲ ንምቁፅፃር ብዝብል ካብ 15 ጥቅምቲ ክሳብ 8 ሕዳር 2006
ዓ.ም ኣብ ፍኖተ ሰላም ብኣመሓዳሪ ቤት ምኽሪ እታ ወረዳ ኣበበ
ዉቤ ዝምራሕ ስምምዕ ዘይብሉ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ተገሊፁ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ
ንተኣከብቲ መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ። ንሰፊሕ ምንቅስቓስ ኣሸበርትን ብእኦም ዝምራሕ ተቓዉሞታት ንምቕናስን ንምቁፅፃርን
ብዝብል ን22 መዓልቲ ዝተኻየደ ኣኼባ። በቶም ተኣከብቲ ቀዉዒ ምድሪ ብዙሕ ዝረሃፅናሉ ዝራእትና ከይንእክብ ረብሓ ብዘይብሉ
ኣኼባ ኣይተባኹሩና ብምባሎም ኣብ ሞንጉኦም ዓብዪ ወጠጥ ተፈጢሩ እኳ እንተነበረ። እቶም መራሕቲ መድረኽ ብሓይሊን ፀቕጥን ክሳብ
እቲ ዝሓሰብዎ 8 ሕዳር እቲ ኣኼባ ክካየድ ጌሮም መወዳእትኡ ግና ብዘይፈረን ስምምዕን ከም ዝተዛዘመ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣