Thursday, December 5, 2013

ኣመሓደርቲ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ሕጋዊ መንበሪ ኣባይቲ ከተማ ካብ ኣገባብ ወፃኢ ምፍራስ ከም ሓደ ፋሽን ወሲዶም። ንነባሪ ህዝቢ ኣብ ምግልታዕ ተፀሚዶም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ወረዳ ሓድነት ብልሙድ ኣፀዋዉዓ ቀበሌ 18 ፍሉይ ሽሙ ማይ ፀገነ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ብነባር ትሕዝቶ ተፈሊጡ ንሰብ ዋና ሕጋዊ መረጋገፂ ተዋሂብዎም ዝፀንሐ ገዛዉትን መሰርሒ መሬትን። ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ኣብዚ ሕዚ ግዜ ብላዕ ንዝሃብዎም ሰብ ሃፍቲ  ክዕድልዎ ስለ ዝደለዩ። ነቶም ሰብ ዋና ነባር ትሕዝቶ ዝሰራሕኹሞ ገዛ ሕጋዊ ኣይኮነን ብዝብል ብቅልጡፍ ኣፍርስዎ ዝብል ትእዛዝ ኣዉሪደምሎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
በቲ ሃንደበታዊ ትእዛዝ ዝተደናገፁ ነበርቲ ከባቢ ማይ ፀገነ ብምምሕዳር እታ ከተማ ተዋሂብዎም ዝፀነሐ መረጋገፂ ዋንነት ነባር ትሕዝቶ ናብ ዝምከቶ ኣካል ጥርዓኖም ኣቕሪቦም ሰማዒ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም። ነበርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወረደ  ኣገባብነት ዘይብሉ ሕጋዊ ገዛኹም ኣፍርሱ ዝብል መምርሒ። ነበርቲ ብሓንሳብ ተወዲቦም ተቓዉምኦም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ካብቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣