እቲ ካብ
ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ልሒኹ ዝወፀ ሓበሬታ ኣብ መንጎ ፈፀምቲ
ኣካላት ህወሓት ተጎሃሂሩ ዘሎ ምስሕሓብ ሕዚ ዝተፈጠረ ዘይኮነስ ቀስ ብቐስ ክረአ ፀኒሑ ሕዚ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ከም ዝበፀሐ
ድሕሪ ምግላፅ። ምኽንያት ዘሰሓሕቦም ዘሎ ድማ ህርፋን ስልጣን ዘስዓቦ ምጉጅጃል ምዃኑ ኣረዲኡ።
ብፍላይ
እቲ ዝዓበየ ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ዘሎ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተባሂሉ በቲ ስርዓት ተቐሚጡ ዘሎ ኣባይ ወልዱ ኣብ ትሕትኡ
ንዝርከቡ ፈፀምቲ ኣካላት ይንዕቑኒ እዮም ካብ ዝብል ስምዒት ነቒሉ ካብ ስልጣንኩም ክትእለዩ ኢኹም እናበለ ብሓይሊ ኣፈራሪሑ
ክመርሖም ኣብ ዝፍትነሉ። ብደረጃ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ተቐሚጦም ዝርከቡ ኪሮስ ቢተዉን በየነ ምኩሩን ብግዲኦም ንስኻ
ንህወሓት ይኹን ንትግራይ ክትመርሕ ብቕዓትን ዓቕምን የብልካን ምእላይ እንተኾኑ ብቀዳምነት ንስኻ ካብ ኣመራርሓ ክትወርድ ኣለካ
ብዝብል መልሰይ መልሲኻ ክረዳድእሉ ኣብ ዘይኽእሉ ደረጃ ከም ዝበፅሑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣
ነቲ ኣብ
መንጎ መራሕቲ ህወሓት ተወሊዑ ፍታሕ ዘይተረኸበሉ ህርፋን ስልጣን ዝመበገሲኡ ወጠጥ ንምትዕራቕ ኣመሓደርቲ ሓሙሽተ ዞባታት
ዝተረኸብሉ ሽምግልና ቅድም ኢሉ ተኻይዱ እኳ እንተነበረ ኣብቲ እዋን ብዘይምርድዳእ ተበታቲኖም ከም ዝወፁን። ዳግም ኣብዚ
ቅንያት ሓሙሽትኦም ሓለፍቲ ዞባታት ዝተረኸብሉ መታዓረቒ ኣኼባ ተኻይዱ ክልትኦም ምክትላት ምስ’ቲ ርእሰ ምምሕዳር ብዘቕረብዎ
ሓሳብ ክቐራረቡ ብዘይምኽኣሎም ዝሓረቁ ሓለፍቲ ዞባታት ድሮ መለስ ሞይቱስ ትባኣሱ ኣለኹም ከም ዝበልዎምን እቲ ርክቦም ብዘይፍረ
ከም ተበተነን እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ፣