Friday, April 4, 2014

ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ መንእስያት ናብ ውትህድርና ንምምልማል ዘዉፅእዎ ምልክታ ብህዝቢ ተቓውሞ የጋጥሞ ከም ዘሎ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ካብ ህዝቢ ከጋጥሞም ንዝኽእል ተቓውሞ ብሓይሊ ብረት ብምጭፍላቕ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ  መንእስያት መልሚሎም ኣብ ብርሸለቆ ንምስልጣን ዝወጠንዎ ውዲት ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተቓውሞ የጋጥሞም ኣብ ዘለሉ ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ካብ 8 ክፍሊ ንላዕሊ ዝኾኑ መንእስያት ኣብ ከተማ  መቐለ ኣብ ዝርከባ   ከባብያዊ ምምሕዳራት ሕድ ሕደን  1,600 መንእስያት መልሚለን ከቕርባ መምርሒ’ኳ እንተወረደ ነቲ ዝቐረበ መፀዋዕታ ብምቅዋም መንእስያት ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ሃገርና ይሃድሙ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።

እቶም ከባብያዊ ምምሕዳራት ነቲ ዝተውሓቦም መንእሰያት ናብ ውትህድርና ናይ ምምልማል  ስራሕ  ነቲ ካብ ህዝቢ ዘጋጠሞም ተቓውሞ ንምሽፋን 10 ክፍሊ ወዲኦም ስራሕ ንዝሰኣኑን  ጎደና ሓደር ንዝኾኑ መንእስያትን  ብምእካብ ስራሕ ክንፈጥረልኩም ተመዝገቡ ኢሎም ብምትላል ናብ ውትሕድርና ከእትውዎም  ፈቲኖም ክሰልጦም ከም ዘይከኣለ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።