Sunday, April 27, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ገለ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ስርዓት ዝቐሓሩ ገለ ዜጋታት ብ12 ሚያዚያ 2006 ዓ/ም ምሸት ሰዓት 3።00 ኦራል ዝዓይነታ ወተሃደራዊት መኪና ከምዘዕነው ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ብተግባር  ወተሃደራት ስርዓት  ወያነ-ኢህወዴግ ዝቐሓሩ ገለ ዜጋታት ኣብ ከተማ ዓዲሃገራይ ኣብ ከባቢ ብሄራዊ ሆቴል ደው ኢላ ንዝነበረት ኦራል ዝዓይነታ ወተሃደራዊት መኪና ብሕቡእ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት  ኩሉ ንብረታ  ከም ዝዓነወ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

      ካብታ ከተማ ከይወፃእና ኣብ  ፊት ንፊት  ቤት መግቢ ሸራሮ   ደው ኢላ ዝነበረት ናይ ምክልኻል ሰራዊት ናይ ማይ ቦጥ  እውን ሒዛቶ ዝነበረት  ማይ ክፈስስ ከም ዝገበሩን እዚ ድማ  ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት  ዘለዎም ፅልኣት ዘማላኽት ተግባር ምኻኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ ።